ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም መፍትሒኡ ዝበለፀ ነፃነት ምሃብ እምበር ምድራት ኣይኮነን” ረክስ ቲለርሰን


ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም መፍትሒኡ ዝበለፀ ነፃነት ምሃብ እምበር ምድራት ኣይኮነን ክብሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ይገብሩ ዘለው ናይ ኣሜሪካ ሚንስትር ወፃኢ ጉዳያት ሬክስ ቲለርሰን ገሊጾም።ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ናይ ምእካብን ሓስብ ብነፃነት ናይ ምግላፅን መሰላት ዝድርት ስለዝኾነ ብቕልጡፍ ምልዓል ኣድላዪ ምዃኑ እዩ ሓቢሮም።ኢትዮጵያዊያን ሓሳቦም ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራሕ ክገልፁ ከምዘለዎምን መንግስቲ እውን ነዚ ከምዝፈቅድን ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።

ኣብ ኣፍሪቃ ዑደት ዝፍጽሙ ዘለው ፈላማይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ዝኾኑ ሚንስትር ወፃኢ ጉዳያት ሬክስ ቲለርሰን ምስ ሚንስትር ወፃኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ድሕሪ ምርኻቦም ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለፂ ከምዚ ኢሎም።

“ናይ ህውከት ክስተታትን ምጥፍእ ህይወትን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ብወገን መንግስቲ ዝተገልፀ ንቕብሎን ንርድኦን እዩ።መልሱ ግን ነቲ ህዝቢ ዝበለፀ ነፃነት ምሃብ እምበር ንዕኡ ምድራት ከምዘይኮነ ብኣፅንኦት ንኣምን።”

ኣሜሪካ እቲ ኩነታት ከምዝተሓሳስባ እውን ገሊፆም ኣለው።

“ብመንፅር ሕዚ ዝተፈጥረ ፀገም መንግስቲ ካልእ ናይ ህፁፅ ኣዋጅ እዋን ምውጽኡ ንኣሜሪካ ከምዝተሓሳስባ ገሊፃ’ላ።ምኽንያቱ ናይ ምእካብን ብነፃነት ሓሳብ ምግላፅ ኣብ ዝኣመሰሉ መሰላትን ይድርት እዩ።”

ሓይልታት ፀጥታ ሕግን ስርዓት ከኽብሩ ከለው ስርዓት ተኸቲሎም ክኸውን ከምዘለዎን ኣፀጋሚ ዝኾነ ኣብ ቅድሚኦም ከምዝፅበዮምን ስርዓት ናይ ምኽባር ኩነታት ዝፍትን እዩ ኢሎም።

ናይ ህፁጽ እዋን ኣዋጅ ብዝከኣል ብቕልጡፍ ክልዓል ኣድላዩ እዩ ዝበሉ ክብሉ’ውን ገሊፆም ኣለው።

“ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ብዝተኽኣለ ብቕልጡፍ ክልዓል ኣገዳሲ እዩ።ከምኡ ክኸውን እውን ተስፋ ንገብር።ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብምፍታሕ ዝተወስዱ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ተተባቢዕና ኢና።ኣድላዩ ስጉምቲ እዩ።ግን ዜጋታት ኢትዮጵያ እውን ህውከት ብዘይትሓወሶ ኣገባብ ናይ ምንቅስቓስ ሓላፍነት ኣለዎም።መንግስቲ እውን ሰላማዊ ብዝኾነ ኣገባብ ከምዝፈቅድ ተስፋ ንገብር።”

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታትን ፖለቲካዊ መራሕትን ሓዊሱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ካብ ምፍታሕ ብተወሳኺ ሓሳብ ናይ ምግላፅ ፖለቲካዊ ነፃነት ንምፍቃድ ተወሳኺ ስጉምታት ንክውሰዱ እውን ነተባብዕ ኢና ኢሎም።

ሚንስትር ቲለርሰን ንኣጠቓላሊ ስግግር ኣወንታዊ እዩ ኢሎሞ ኣለው።

“ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ስግግር እውን ንርዳእ ኢና።ኣብ ድልየት ዝተመስረተ ፈላማይ ዝኾነ ናይ ስልጣን ስግግር’ዩ።ኣነ ነዚ ገና ዘሎ ዲሞክራሲ ኣወንታዊ ምልከት ገይረ እየ ዝሪእዮ።ሰላማዊ ዝኾነ ስግግር ስልጣን’ዩ።”

ሚንስትር ሬክስ ቲለርስን ካብ ዶ/ር ወርቅነህ ገበይሁ ብተወሳኺ ምስ ኣቦ ወንበር ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ እውን ተራኺቦም ኣለው።ስልጣኖም ይለቁ ምስ ዘለው ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ እውን ተራኺቦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG