ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም አዲስ አበባ ኣትዮም


ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝገበርሎም ተፈሊጡ።ኣብታ ብፀጋታት ሃብታም ዝኾነትን ኣብ ጉዳያት ንግድን ረድኤትን ምስ ቻይና እናተቐራረበትን ትኸይድ ዘላ ኣፍሪቃ ዑደቶም ንምክያድ ሎሚ ረቡዕ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣለው።

ሚ/ወ/ጉ/ ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም ሎሚ አዲስ አበባ ኣትዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:28 0:00

ናይ ሩሲያ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ሰርገይ ላቭሮቭ እውን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ጀሚሮም ኣለው።

ሚንስትር ቲለርሰን ቅድሚ መገሽኦም ትማሊ ሶሉስ ከምዝገለፁዎ ኣሜሪካ ኣብ ርክባት ኣሜሪካ ኣፍሪቃን ፅኑዕ መሰረት ንምህናፅ ቅርብቲ ምዃና ብምግላፅ ቻይና ኣብታ ክፍለ ኣህጉር ፅግዕተኝነት ተተባብዕ ኣላ ክብሉ ከሲሶምዋ።

ቲለርሰን ኣብዚ ናይ ሓደ ሰሙን መገሽኦም ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ክበፅሑ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG