ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀሺ ቤተ-ክርስትያን ወንጌላውያን ቅዳሕ ቁርዓን ክነባርዕ ኢና ይብሉ


ቁርዓን ዝነደሉ ስፍራ
ቁርዓን ዝነደሉ ስፍራ

ዕላምኡ ናብ ፅንፈኛ ሙስሊማውያን መልእኽቲ ምትሕልላፍ ምኻኑ'ውን ይገልፁ

ኣብ ኣሜሪካ ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን፣ኣንፃር ጎነፅ እስላማዊ ፅንፈኛታት ዝዓለመ ስነ-ስርዓት ምንዳድ መፃሕፍቲ ቁርኣን ቀዳም ከምተታኣናግድ ኣፍሊጣ።ምምሕዳር ኦባማ ግና ነቲ ምድላው ፉንፉንን ዘይኣሜሪካዊ ባህሊን ክብል ኣውጊዝዎ‘ሎ።ካብ መሳርሕትና ብራይን ዋግነርን ዴቪድ ጎላስትን ንዝተላኣኹ ሪፖርታት በትረ ስልጣን ናብ ሓደ ጠሚሩ ከቅርቦ‘ዩ፥

ኣባላት እታ ዳቭ ዎርልድ ኣውትሪች ሴንተር - ርግባዊት ዓለም-ለኸ ማእከል ምትሕግጋዝ - ከም-ማለት‘ዩ፣ኣስታት ክልተ ሚእቲ መፃሕፍቲ ቁርዓን ቀዳም ዘባርዓሉ ኣዕፃው ቀሪቦም ነታ ዕለት ይፅበዪዋ‘ለው።ቀሺ ቴርይ ጆንስ፣ነታ ዕለት ዘላሊ ምልክት ተጠቂዑ ከምዝቀነየ ይዛረቡ።ከምኡ'ውን ኣድማሳዊ መዓልቲ ምብራዕ ቁርዓን።ነዚ ምልክት‘ዚ ዘቆምናሉ ቀንዲ ምኽንያት፣እቲ ቀዳማይ ምልክት ስለዝተሰረቀና‘ዩ።እቲ ስነ-ስርዓት ምብራዕ ቁርዓን ኣብ‘ዚ ክፍፀም‘ዩ ኢሎም።

ረቨረንድ ጆንስ፣ዝተፈላለዩ ምልክታት‘ታ ቤተ-ክርስትያን ከምዝተሰረቀ፣ ከምኡውን ብጠንቂ መደብ ምብራዕ ቁርዓን ክንቀትለኩም ኢና ዝብል መፈራርሒ ስለዝተሰምዐ፣ኣብ‘ዚ እዋን ነታ ቤተ-ክርስትያንን ንኣባላታን ንምሕላው ተዓጢቅና ኣለና ይብሉ።

ቀንዲ ዕላማ‘ቲ ምብራዕ መፃሕፍቲ ቁርዓን ይብሉ ቀሺ ጆንስ፣ኣብ ባሕቲ መስከረም ቅድሚ ፱ ዓመት ኣብ ኒውዮርክን ዋሽንግተንን መጥቃዕቲ ፅንፈኛታት ንዘዋደደ ኣል-ቃይዳ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ምኻኑ ገሊፆም። ንሶም ኣብ መግለፂኦም፣ኣል-ቃይዳ ንኣሜሪካን ንዓለምን ስግኣት ምኻኑ ይዛረቡ፥

ንሱ‘ዩ ናብ ኣድማሳዊ ምብራዕ ቁርዓን ዘብፀሐና።ኣብ መስከረም ፲፩ ንዝተቀትሉ ሰባት ክንዝክሮም ስለዝደለና‘ዩ።ናብ ሙስሊማት ክነሕልፎ ንደልዮ ንፁር መልእኽቲ፣ኣይንፃወረኩምን፣ኣጀንዳኹም ዝኾነ ሕጊ-ሸሪዓ ኣይንደልየናን ዝብል‘ዩ ይብሉ።

ቀሺ ጆንስ ወሲኾም፣እቲ መልእኽቲ ንምእኩል መርገፂ ዘለዎም ሙስሊማት ኣይሓውስን፣ኣብ ክንድኡ እምነቶም ኣብ‘ዛ ሃገር ንክጥቀሙሉ መሰሎም‘ዩ በሉ።"ንሙስሊማት ኣይንፀልኦምን ዝበሉ እቶም ቀሺ ኣንፃር ሙስሊማት ዝቀንዐ‘ውን ኣይኮነን።ኣንፃር ሕጊ ሸሪዓ‘ምበር"።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣዛዚ ሰራዊት ኣሜሪካ ጀነራል ዴቪድ ፔትረይስ፣እቲ ምብራዕ መፃሕፍቲ ቁርዓን ንፅንፈኛነት ዘረሳስን፣ፀረ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝወፈረ ሰራዊት ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ዘጋድድ ክኸውን‘ዩ ዝብል መጠንቀቂ ኣቃሊሖም‘ለው።

ኣብ ፍሎሪዳ መራሕቲ ማሕበረ-ሰብ ሙስሊማት ብወገኖም፣ዕጉስ መልሰ-ግብሪ እዩ ዘድልይ ይብሉ‘ለው።ቀሺ ሬንዊክ ቤል ዝተባሃሉ መራሒ ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን፣ንግብሪ ምብራዕ መፃሕፍቲ ቁርዓን ዝድግፍ ብዙሕ ክርስትያን ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን ሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ ከምዚ ዓይነት ግብሪ ክፍፅም ከሎ፣ዕሽሽ ክብሎ እየ ዝመርፅ።ኣብ ዓለም ግና ረስኒ‘ዩ ዝፈጥር።ቀሺ ጆንስ ከይሓሰበሉ‘ዩ ነዚ ተግባር‘ዚ ክፍፅም ተቀሪቡ ዘሎ ኢሎም።

ኣንቶንይ ዓብዱላ ሰንፔድሮ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ፣ሙስሊማትን ካልኦትን ስግር‘ዞም ስምዒታት ክሓስቡ‘ዩ ዝግባእ ይብል።
ንሱ ወሲኹ ኣየቁጥዐንን።ናብ ብሉፅ ፍታሕ‘ዩ ክንመፅእ ዝግባኣና።ንቁርዓን ምብራዕ ኮነ ሙስሊማት ምቁጣዖም ንፀገማት ናብ ዝሓሸ ብርኪ ኣየብፀሖን ባሃላይ'ዩ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣እታ ቤተ-ክርስትያን ፍሎሪዳ ወጢናቶ ዘላ መደብ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ንዝርከቡ ወትሃደራት፣ዲፕሎማታትን ቱሪስታትን ኣሜሪካ ንዝያዳ መጥቃዕቲ ከቃለዖም ከምዝኽእል ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ኣጠንቂቁ‘ሎ።ወሃቢ-ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ፒ-ጄይ ክሮውለይ፣ እቲ ውጥን ፉንፉን፣ዘይቅቡልን ክፍፀም ዘይግባእን‘ዩ በሉ፣

ሚስተር ክራውለይ እዚ መደብ‘ዚ፣ተባራዒ፣ዘናኣእስ፣ዘይተፃዋርነት ዘስዕብን ከፋፋልን’ዩ።ድምፂ ህዝቢ ኣንፃር‘ቶም ቀሺን ደገፍቶምን ይቃላሕ ከምዘሎ ፈሊጥና‘ለና። ኣሜሪካውያን፣እዚ ክስተት‘ዚ ባህልና ኣይኮነን ክብሉ ትፅቢት ንገብር ኢሎም።

ፍሎሪዳዊ ቀሺ፣ምብራዕ መፃሕፍቲ ቁርዓን ኣንፃር ኣብ ወፃኢ ዝተዋፈሩ ወትሃደራት ኣሜሪካ ከብግሶ ዝኽእል ህውከት ርዱእ‘ዩ፣እንተኾነ ንሶምን ሳዓብቶም ኣባላት‘ታ ቤተ-ክርስትያንን ግና ብመሰረት‘ቲ መደብ ምብራዕ መፃሕፍቲ ቁርዓን ከምዝፍፀም መረጋጊፂ ሂቦም‘ለው።ኣብ ክንድኡ ይብሉ ቀሺ ቴርይ ጆንስ፣መንግስቲ ኣሜሪካ ሙስሊማት፣ስጉምቲ ምፍዳይ ሕነ ንከዪወስዱ ከጥንቅቆም ኣዘኻኺሮም።







XS
SM
MD
LG