ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ተቃወምቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን የካትዕ


Map of Eritrea
Map of Eritrea

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ተቃወምቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን የካትዕ

እቲ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ "ሃገራዊ ዋዕላ ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ" ዝተሰየመ ኣኼባ ንኤርትራውያን ዘይወከለን ክንዮ ሓድነት ኤርትራን ትሕቲ ሃገራዊነት ዝመንፈሱ’ዩ ብምባል ነቲ ዋዕላ ሓዲጉ ዝወፀ ብንያም ሚካኤል ካብ ሎንደን፡ ዋዕላ ብመሰረቱ ቅዱስ ኣምር’ዩ ግን ከመይ ይካየድ፡ ኣበይ ይካየድ ፡ብኸመይ ይካየድ፡ ብዓል መን የካይድዎ ዝብል ሕቶታት ክምለስ ዘለዎ ሓላፍነታዊ ሕቶ ኾይኑ ይስምዓኒ ኢሉ’ሎ።

ንምንቅስቃስ ዓለም ለኸ ምሕዝነት ኤርትራ Eritrean Global Solidarity ወኪሉ ኣብቲ ዋዕላ ዝተኻፈለ ተኽላይ ኣብርሃ ካብ ኒዮርክ ኸኣ፡ እቲ ዋዕላ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጠቅመሉ ደአምበር ዝጎድአሉ ምኽንያት አይተራእየን ገለ ብሃይማኖት ገለ ብብሄራት ካልእ’ውን ዝተፈላለየ ርኢቶታት ዘለዎ ተቃውሞ ኤርትራ ኹሉ ኣብ ሐደ ገዛ ኾይኑ ኣብ ልቡ ዘሎ ኣውፂኡ ክዛረብ ዝረአኽዎ እዚ ንመጀመርያ ግዜ’ዩ፡ ኣብ መወዳእታ ኸአ ተረዳዲእና ወፂእና ኢሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG