እቲ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝቀነየ "ሃገራዊ ዋዕላ ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ" ዝተሰየመ ኣኼባ ድሕሪ ሓደ ዓመት ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ክዳሎ ወሲኑ'ሎ።
ነቲ ሃገራዊ ዋዕላ ተዳሉ ኮምሽን ንክትቀውም'ውን ወሲኑ ክብሉ ኣቦ-መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ'ቲ ዝተካየደ ዋዕላ ኣቶ በሽር ኢሳቅ ገሊፆም።
ኣቶ በሽር እቲ ዋዕላ ካብ ዝኾነ ተጽዕኖ ናጻ'ዩ ነይሩ ኢሎም ዝገለጽዎ'ቲ ዝተዛዘመ ዋዕላ ኩሉ ሓሳብ ብናጻ ዝተገለጸሉ ምንባሩ'ውን ሓቢሮም።
ኩሉ ኤርትራዊ'ዩ ተኻፊሉሉ - ኣቶ በሽር ኢሳቅ