ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ስጉምቲ ክወስድ’ዩ ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ


ፋይል - ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ፋይል - ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ

‘ኣብ ክልል ኦሮሚያ ይርአ ንዘሎ ህውከት የንቀሳቕስዎ ኣለው ኣብ ልዕሊ ዝበሉዎም ሓይልታት፣ ሕጋዊን ዘየደጋምን ስጉምቲ ክወስድ እዩ’ ኢሎም ቀዳማይ ምንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ።

እቶም ቀ/ሚ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓይልታት ጥፍኣት ኣብ ልዒሊ ሃገርን ቁጠባን ዝለዓለ ጉድኣት ቅድሚ ምብፅሖም ዘየዳግም ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘለዎ ንፁር ኮይኑሉ’ሎ’ ኢሎም።

‘ንሕቶ ህዝቢ ተጎልቢቦም ሃንደበት ናብቲ ኩነታት ዝኣተው ዝተፈላለዩ ሓይልታት ጥፍኣት ኣብዚ ሕዚ እዋን ተወዲቦም፣ ከምኡ እውን ናይ ወፃኢ ሓይልታት እናሓገዝዎምን ይንቀሳቀሱ ዘለው ምዃኑ ፈሊጥና ኣለና’ውን ኢሎም እቶም ቀ/ሚ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ድርቂ ንዝተጀመረ ጉዕዞ ህዳሴ ብዘየተኣጓጉል መንገዲ ንምቁፅፃር ዝግበር ፃዕሪ እውን ክቕፅል እዩ ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG