ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኩባን ዝጸንሐ ናይ መወዳእታ ኣሰር ዝሑል ኩናት ክቐብር'የ ይብሉ ፕረዝ.ኦባማ


ፕረዝደንት ኦባማ ንህዝቢ ኩባ ኣብ ዝሃብዎ መደረ
ፕረዝደንት ኦባማ ንህዝቢ ኩባ ኣብ ዝሃብዎ መደረ

ታሪኻዊ ምብጻሕ ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ናብ ኩባ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ድሕሪ ምስ ተቓወምቲ ዘካይድዎ ርኽብ ክዛዘም`ዩ። ኣብ`ቲ ኣጋጣሚ ፕረዝደንት ኦባማ ንህዝቢ ኩባ ብሃገራዊ ቴሌቭዥን መደረ ዘስምዑ ኽኾኑ ኸለው አብ መንጎ ጋንታታት ኩባን ኣሜሪካን ዝካየድ ጸወታ ቤዝቦል ክዕዘቡ`ዮም።

እዚ መግለጺ ነቲ ንልዕሊ ፍርቂ-ዘመን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ዝሑል ኩናት ኣወጊዱ ንክልቲኣዊ ዝምድና እዘን ሃገራት ዘሕይል’ዩ ይብሉ ሰበ-ስልጣን ዋይት ሃውስ።

ምምዕርራይ ዝምድና ማለት ብዛዕባ እቲ ዘሎ ፍልልያት ብግልጺ ምዝርራብ’ዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ኦባማ፡ ነዞም ፍልልያት ኣብ ንዝትየሉ ጊዜ ድማ ኣብቲ ናይ ሓባር መረዳእታ ዘለና ጉዳያት ድማ ምዕባለታት ክህልው ከምዘለዎ ብምእማን’ዩ ኢሎም።

ካብ ጋዜጠኛታት ንዝለዓሉ ሕቶታት መልሲ ምሃብ ዘይለመዱ ፕረዝደንት ካስትሮ ብፍላይ ንሕቶታት ኩባ ክንደይ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣለዎ ኣብ ዝብል ናይ ሕርቃን ምልክት ምርኣዮም ይግለጽ።

ፕረዝደንት ካስትሮ ነዚ ሕቶ ነቶም ኣለዉ ትብልዎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ስም ዝርዝር ሃቡኒ እሞ ክፈትሖም ዝብል መልሲ ዝሃቡ ኮይኖም ‘ ናይ ምንታይ እሱራት ፖለቲካ፡ ኣስማት ሃቡኒ ኣነ ድማ ሎሚ ምሸት ክፈትሖም’የ’ ኢሎም። ኣብ ጉዳይ ሰብአዊ መሰላት ክዛረቡ ምቹእነት ዘይተሰምዖም ፕረዝደንት ካስትሮ ንሰብአዊ መሰላት ምሉእ ብምሉእ ተማልእ ሃገር የላን ክብሉ መሊሶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኩባን ዝጸንሐ ናይ መወዳእታ ኣሰር ዝሑል ኩናት ክቐብር'የ ይብሉ ፕረዝ.ኦባማ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:58 0:00

XS
SM
MD
LG