ፕረዚደንት እስማኢል ዑማር ጉለህ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ‘ሃገሮም ነቲ ምስሕሓብ’ ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕን ኤርትራ ንምኽኑይነት ክትቅበል’ያ ካብ ዝብልን ንሽምግልና ዓሚር ቀጠር ተቀቢልና፡ ጻዕርና ግና ከንቱ ኮይኑ’ዩ ተሪፉ፣እዚ ተርእዮ’ዚ ኤርትራ ነቲ ዞባን ንዓለምን ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ኮይና ከምዘላ ሓባሪ’ዩ’ ኢሎም።
ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ቀዳም`ዩ መደረ ከስምዕ።ኣብ መጀመርያ`ዚ ዓመት ንተመሳሰሊ ክሲ ጅቡቲ መልሲ ዝሃበ ሚንስትሪ ወጻኢ ኤርትራ ግና፡ ንዞባዊ ዘይምርግጋእ ቀንዲ ጠንቂ ኾይኑ ዘሎ፡ ኢትዮጵያ ጌራቶ ዘላ ጎበጣ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ ምስ ጅቡቲ ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ብሳልሳይ ወገን ክትሓዝ ሓባራዊ ስምምዕ ስለዝገበርና፡ ጅቡቲ ትኽተሎ ዘላ ዘይብስሉን ተጻባእን መርገጽ፡ ብመንጽር`ቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ውዕል ክትርእዮ ኸለካ ክትዛረበሉ`ውን ዘጸግም`ዩ ኢሉ ኔሩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።