ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን፡ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ዝኾነ ሰነድ ትግባረ ስምምዓት ጸጥታ ተፈሪሙ


ተጻባእቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን አካል'ቲ ዝሓለፈ ነሓሰ ዝኸተምዎ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ዝኾነ ሰነድ ትግባረ ስምምዓት ጸጥታ ፈሪሞም። ዋላ'ኻ አብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ግጭት እንተዘየቋረጸ እዚ ሰነድ ስምምዕ'ዚ ግን ትጽቢት ኩሉ ወገን ኮይኑ አሎ።

ደባይ ተዋጋእቲ ነቲ ውዕል ሎሚ ሶኑይ ፈሪሞምሉ'ለው መንግስቲን ፖለቲካዊ መራሕቲን እሱራትን ነበር ግን ዝሓለፈ መስከረም'ዮም ነቲ ሰነድ ዝፈረምሉ።

ጀነራል ታባን ዴንግ ጋይ ደባይ ተቃወምቲ ወገናት ነቲ ሰነድ ክሳብ ሎሚ ዘይፈረሙ ምክንያት ብብዝሒ አብ ጁባ ዝምድብ ሰራዊት ስግአት ስለዝነበሮም'ዩ ኢሎም።

" መንግስቲ እቶም ተጠቂሶም ዘለው 5000 ወታደራት መንግስቲ ጥራይ'ዮም ዝብል እምነት ነይርዎም ሕጂ ግን ናይ ክልቲኡ ወገን ምኳኑ ተረዲኡዎም አሎ። እዚ ድማ መባእታዊ ሰራዊት ጥምረት ክኸውን'ዩ" ኢሎም።

ልዝብ ብዛዕባ ምቋም ሰራዊት ጥምረት ክቅጽል'ዩ። ኢጋድ ድሕሪ ምኽታም'ዚ ዳሕረዋይ ሰነድ አብ ትግባረኡ ክከታተል'ዩ ተባሂሉ'ሎ።ምክትል ሚኒስትር ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ፒተር ባሽር ብወገኖም እቲ ልዝብ ን22 አዋርሕ ከምዝተጓተተ ድሕሪ ምጥቃስ ነጥበ መቀይሮ'ዩ ይብልዎ።

"እዚ ሰነድ'ዚ ሰነድ ነባሪ ምቁራጽ ተጻብኦን ስርርዕ ጸጥታ ስግግርን ክኸውን'ዩ። ንምዕዋት ካልኦት ተግባራት'ውን እምነ ኩርናዕ'ዩ።"ኢሎም

ቅድሚ ክልተ ዓመት አብ መንጎ ፕረዝደንት ሳልቫ ኪርን ምክትሎም ነበርን ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ አፈላላይ ብዝተላዕለ ግጭት ሚልዮናት ተፈናቂሎም፡ተሰዲዶምን ተጸበይቲ ረድኤት ኮይኖም።

አብ ውሽጢ'ዚ ሓደ ዓመት ተደጋጋሚ ውዕላት ምቁራጽ ተኹሲ ተፈሪሞም'ዮም ግን ብተደጋጋሚ ክጠሓሱ ጸኒሖም ዘምጽእዎ ሰላም'ውን የለን።

XS
SM
MD
LG