ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን : ኣብ እዋን ምስግጋር ኣብ ጁባ ብዛዕባ ዝዋፈሩ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ተቃወምትን ኣይተሰማምዑን


ደቡብ ሱዳን : ኣብ እዋን ምስግ ጋርኣብ ጁባ ብዛዕባ ዝዋፈሩ ሓይልታት ፖሊስን ወታደርን ብዝምልከት መንግስትን ተቃወምቲ ሓይልታትን ኣብ ስምምዕ ክበፅሑ ከምዘይክኣሉን ንሳልሳይ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዘራረቡ ከምዘለው ተነሓናሕቲ ደቡብ ሱዳን ገሊፆም።

በቲ ሕጂ ዘለዎ እቲ ፍልልይ ሰፊሕ እዩ፤መንግስቲ እውን ካብዝሓዞ መርገፂ ፍሕት ይብል አሎ ኢሎም ቀንዲ ተደራዳሪ ተቓወምቲ ታባይ ደንግ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና አብ ደቡብ ሱዳን ዝጸንሓ ሰራዊት ኡጋንዳ ካብታ ሃገር ይወጽእ ከምዘሎ ተፈሊጡ።ምውጻእ ሰራዊት ኡጋንዳ ከም መቀጸልታ እቲ አብ መንጎ ፕሬዝደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪርን መራሒ ተቃወምቲ ምክትል ፕረዝደንት ነበር ሪያክ ማርቻልን ዝተበጽሓ ውዕል ሰላም እዩ ይብሉ አፈኛ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን አትኒ ወክ።

XS
SM
MD
LG