ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝጀመረ ተቓውሞ ኣብ ገለ ከተማታት ኦሮምያ ይቕጽል’ሎ ተባሂሉ


ኣብ ኢትዮጵያ ሕዳር 2,2008 ዓ.ም ዝተጀመረ ተቓውሞ ኣብ ገለ ኸተማታት ኦሮምያ ምቕጻሉ ተሰሚዑ።

ትማሊ ምሸት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ተማሃሮ ከምዝተቐጥቐጡ ኻብ ጸብጻብ ኽፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ዕጡቓት መንግስቲ ናብ መደቀሲ (ዶርም) ተማሃሮ ማዕጾ ሰይሮም ኣትዮም ኣጥቂዖምና ዝበሉ ተማሃሮ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ተማሃሮ በቲ ማሕረምቲ ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ነቀምቴ ከምዝተወስዱ’ውን ሓደ ሽሙ ዘይገለጸ ተማሃራይ ሓቢሩ’ሎ።

ሓላፊ ጸጥታ’ቲ ከባቢ ኣቶ በደሳ ጎበና ‘ኣነ ኣብኡ ኣይኾንኹን ዘለኹ ብዛዕብኡ ዝፈልጦ የለን’ ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወሰኑ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ፖለቲካዊ ጭፍለቃ ደው ይበል ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ጋዜጣ ኔው ዮርክ ታይምስ ጸብጺቡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG