ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተፈላለየ ኣረኣእያ፡ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ትግራይ ንምፍታሕ ይግበር ዘሎ ምንቅስቓስ (3ይ ክፋል )


ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር እቲ ክልል ይርኣዩ ዘለውን ህዝቢ ዘልዕሎም ዘለውምን ፀገማት ንምዝታይ ብዝብል ልዕሊ 1,500 ተሳተፍቲ ኣብ ዝተኻፈልሉ ናይ ከተማ መቐለ ኮንፈረንስ ብርክት ዝበሉ ፀገማት ተላዒሎም እዮም።ካብ መንጎ እዚኦም ኣብ ደቡባዊ ክልል ትግራይ ወረዳታት ራያ ዓዘቦን ራያ ኣላማጣን ብመስኖ ንምልማዕ ብሚሊዮናት ገንዘብ መንግስቲ ካብ ዝተኹዓታ ልዕሊ 260 ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ናብ ልምዓት ኣትየን ዘለዋ ካብ 40 ክሳብ 50 ምዃነን እተን ዝተረፋ ኣገልግሎት ከይሃባ ተሓቲመን ኮፍ ኢለን፤ክለምዕ ዝነበሮ ሰፊሕ መሬት ዘይምልምዑ ጥራሕ ከይኮነስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ደሪቖም ከምዝርከቡ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ዞባ ኣብቲ ጉባኤ ጥርዓን ቐሪቡ ነይሩ።

ኣብዚኦምን ኣብ ካልኦትን ኣርእስታት ርእይቶታቶም ዝሃቡና ንማሕበራዊ፣ቁጠባውን ፖለቲካዊ ጉዳያትን ክልል ትግራይ ዝከታተሉ ወናንን ማኔጂንግ ዳይረክተርን ብትግርኛ ናይ እትሕተም መፅሄት ‘ውራይና’ ኣቶ ጌታቸው ኣረጋውን ኣብ ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ዳይረክተር ዳይረክቶረት መፅናዕትን ምርምርን ኣቶ ረዳኢ ገብረእግዛብሄርን እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:12:33 0:00

XS
SM
MD
LG