ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተፈላለየ ኣረኣእያ፡ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ትግራይ ንምፍታሕ ይግበር ዘሎ ምንቅስቓስ (2ይ ክፋል )


ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር እቲ ክልል ይርኣዩን ህዝቢ ዘልዕሎም ዘለውምን ፀገማት ንምዝታይን ንምፍታሕን ልዕሊ 1,500 ተሳተፍቲ ዝተኻፈልሉ ኮንፈረንስ ንሓሙሽተ መዓልታት ተኻይዱ ኔሩ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ መደረ ዘስምዑ ርእሰ ኣማሓዳሪ እቲ ክልል ኣቶ ኣባይ ወልዱ ኣብ ፍትሓውነትን ስሉጥ ኣወሃህባ ኣገልግሎት፣ኣብ ፍትሒን ፀጥታን፣ኣብያተ ፍርዲ ኣብ መሬትን ግብሪን ካልኦትን መሰረት ተገይሩ ግምገማ እናተኻየደ ኣብ ልዕሊ ዘጥፍኡ እውን ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ ተዛሪቦም ኣለው።ንምዃኑ እቲ ይውሰድ ዘሎ ስጉምቲ እንታይ ምዃኑ፣መን ምዃኖም፣ታሕተዎት ሰበስልጣን ጥራሕ ድዮም ዝሕተቱ ዘለው?ወይ ላዕለዎት ሰበስልጣን?

ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝተሳተፉን ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገማት ሰናይ ምሕደራን ብቐረባ ዝከታተሉ ወናንን ማኔጂንግ ዳይረክተርን ብትግርኛ ናይ እትሕተም መፅሄት 'ውራይና' ኣቶ ጌታቸው ኣረጋውን ኣብ ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ዳይረክተር መፅናዕትን ምርምርን ኣቶ ረዳኢ ገብረእግዛብሄርን ኣብዚኦምን ኣብ ካልኦትን ጉዳያት ትንታነ ሂቦምና ኣለው።

XS
SM
MD
LG