ፕረዝደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ነዚ ውጥን ህንጸት ሓድሽ ቤት-ማእሰርቲ ንጥርጡራት ሽበራ ዝገለጹ ኣብ መመረቕታ ስነ-ስርዓት ልዕሊ 2,000 ሓለውቲ ቤት-ማእሰርቲ’ዩ።
‘እዚ ቤት ማእሰርቲ ንጎነጻዊያን ጥሩፋት ገበነኛታትን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ዝህነጽ’ዩ። ከም ሓቂ እቲ መራዚ ተግባራቶም ድማ ናብ ተነቐፍቲ ኬንያዊያን ከተሓላልፉ ኣይክነፍቕደሎምን ኢና።’
እቶም ፕረዝደንት እቲ ቤት-ማእሰርቲ መዓስን ኣበይን ከምዝህነጽ እንተዘይገለጹ’ኳ፡ ገለ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ጸጥታ ኬንያ ግን ጥርጡራት ሽበራ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፡ ስነ-ሓሳብ ጥሩፍነት ንካልኦት እሱራት ንኸይዝርግሑ ስክፍትኦም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
ኣብ ሶማልያ ዝመደበሩ ጉጅለ ዕጡቓት ሚሊሻታት አል-ሸባብ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ተደጋጋሚ መጥቓዕቲ ኣብ ኬንያ ምኽያዱ ይዝከር። እዚ ጉጅለ ገለ ተሓባበርቲ አብ ውሽጢ ኬንያ ከምዘለዎዎ ብፍላይ አብቲ ብዙሓት ሶማልያዊያን ዝነብሩ ኢስሊ ዝተባህለ ክፍለ-ከተማ ናይሮቢ ይግለጽ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።