ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ተዋጋእቱ እናወረደ ዝኸይድ ዘሎ ኣል-ሸባብ ውሑዳት ተዋጋእቱ ዝደለዩዎ ካብ ምፍጻም ዝዓግቶም የለን ይብል


ኣብ ሱማሊያ መሬት ዝስእን ዘሎ ኣል-ሸባብ ውሑዳት ተዋጋእቱ ብፍጽምዎም መጥቓዕትታት ብዛዕባ ዝፈጠር ጽዕንቶ ትኹረት ሂቡ’ሎ።ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዚያ ዓሰርተታት ሰባት ዝቐተለ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ጋሪሳ ዝተፈጸመ ዓብዪ መጥቓዕቲ።ሙስሊም መናእሰይ ምብራቕ ኣፍሪካ ተመሳሳሊ ስትራተጂ ክጥቀሙ ይጽውዕ ኣሎ፤ኣል-ሸባብ።

ሓደ ስዋሂልኛ ብዝዛረቡ 50 ተዋጋእቲ ተኸቢቡን ጸሊም ተኸዲኑን ኣብ ዘስምዖ ናይ 21 ደቓይቕ ናይ ቪዲዮ መልእኽቲ ቁጽሪ ተዋጋእቲ ኣል-ሸባብ እናወሓደ ይኸይድ ከምዘሎ ኣሚኑ’ሎ።

እንተኾነ ግን ኣብቲ ቪዲዮ ዝርአ ኬንያዊ መራሒ ኣል-ሸባብ ኣሕመድ ኢማን ዓሊ ‘’ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣሕዋትና ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝተዋጽኡ ወታደራት እሞኽኣ ሓግዝ ምዕራባዊያን ሃገራት ንዘይተፈለዮም ክስዕሩ ተኽእሎ ኣለዎም’’ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ሰበስልጣን ስለያ ሱማሊያ ዝስልጥንሉን ኣብ ሞቓድሾ ዝርከብን ወታደራዊ ቐጽሪ ንዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣል-ሸባብ ሓላፍነት ወሲዱ እዩ።

እቶም ናዕበኛታት ኣብ ደቡባዊ ሱማሊያ ብሩንዳዊያን ወታደራት ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ ንዝነቆጥሉ መደብር ብምጥቓዕ ን30 ወታደራት ቀቲሎም።

ነጻ ተንታኒ ዓብዲዋሃብ ሸኽ ዓብዲሳማድ በቲ ሓድሽ ናይ ቪዲዮ መልእኽቲ ንዝተደናገሩ መናእሰይ ዝዓለመ እዩ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝትኡ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:37 0:00

XS
SM
MD
LG