ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ኬንያ ብዘጋጠመ ቶክሲ 2 ሞይቶም 3 ካልኦት ቆሲሎም


ወታደራት ኬንያ ኣብ ከባቢ ማንዴራ ትጉዓዝ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት መኪና ሎሚመዓልቲ ቶኽሲ ከፊቶም ኽልተ ሰባት ቀቲሎም ካልኦት ሰለስተ ሰባት ድማ ቆሲሎም።

ኮሚሽነር ምምሕዳራዊ ከባቢ ማንዴራ ፍረድሪክ ሺሲያ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሓይልታት ጸጥታ እታ መኪና ነቶግቲ ጽዒና ኢሎም ከምዝጠርጠሩዋ ሓቢሮም።

ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብቲ ቦታ ከምዝሓበሩዎ ግን እቶም ዝተቐትሉ ሰላማዊያን ሰባት ምዃኖምን ኣብታ መኪና ኣጽዋር ከምዘይተረኽበን ሓቢሮም።እቶም ዝቖሰሉ'ውን በቲ ከባቢ ዝሓልፉ ዝነበሩ እዮም ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG