ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ካብ መንበሪኦም ዝተሰጎጉ ስደተኛታትን ፖሊስ ከተማ ሮማ ግጭት ምልዓሉ ተገሊጹ


ኣብ መንጎ ፖሊስ ከተማ ሮማን ካብ መንበሪኦም ዝተሰጎጉ ስደተኛታት ትማሊ ረቡዕ ግጭት ምልዓሉ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣስታት 800 ኤርትራዊያን ኢትዮጵይዊያንን ስደተኛታት ቀዳም 19 ነሓሰ,2017 ዓ.ም ንሓሙሽተ ዓመታት ካብ ዝነበርሉ መንበሪ ህንጻ ተሰጉጎም እንተኾነ ነፍሰጾራት፡ ብዕድመ ዝደፍኡን አደ ቆልዑን ግን ንግዚኡ ኣብቲ ህንጻ ክተርፋ ተፈቒዱ ኔሩ።

ካብቶም ካብቲ ህንጻ ዝተሰጎጉ አስታት 500 ኣብ ካልእ ቦታ መጽለሊ ረኺቦም እዮም፡ ዝተረፉ 200 ግን ኣብ ኣፍደገ እቲ ህንጻ ዝርኸብ ጎልጎል ዝጸንሑ ኮይኖም ትማሊ ረቡዕ ግን ፖሊስ እታ ከተማ ማይ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ብምንጻግ ካብቲ ቦታ ክወጹ ከምዘገደድዎም እንተኾነ እቶም ስደተኛታት ብበትሪ ግብረ መልሲ ምሃቦም ሮይተርስ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

እዞም ቁጽሮም አስታት 100 ዝኾኑ መብዛሕትኦም ኤርትራዊያን ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ዑቕባ ዝረኸቡ ኮይኖም ኣብ ጎደናታት ብምስፋሮም ነታ ከተማ የርስሑ አለው ብምባል ፖሊስ ነቲ ስጉምቲ ምውሳዱ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ መንጎ ካብ መንበሪኦም ዝተሰጎጉ ስደተኛታትን ፖሊስ ከተማ ሮማ ግጭት ምልዓሉ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:51 0:00

ፖሊስ ብወገኑ እቶም ስደተኛታት ናይ ጋዝ ታኒካታት ብምሓዝ ናብ አባላት ፖሊስ ከምዝደርበዩን ገለ አባላት ፖሊስ እውን ብዝተሰንደዎም አእማን፡ በትሪን ጠራሙዝን ጉድኣት ከምዝበጽሖም ተገሊጹ’ሎ።

ዘይመንግስታዊ ትካል ሓካይም ብዘይዶብን ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ብወገኖም ዝምልከቶም አካል ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ ከሎ ኣቐዲሞም ሓበሬታን ጊዜን ክህቡ ጸዊዖም አለው።

ካብ ቤት ጽሕፈት ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ ኢጣልያ ባርባራ ሞሊናሪዮ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ከምዚ ኢለን።

“ ኣቐዲሙ ዝተዳለወ ሰፊሕ መደብ ክህልው አለዎ ኢልና ኢና ንሓተት ዘለና ምክንያቱ ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ዝነብርሉ ህንጻ ምስጓግ ነቲ ጸገም ምንዋሕ እንበር መፍትሒ ኣይኮነን። ካልእ መፍትሒ ወይ አማራጺ እንተዘየሎ እዞም ሰባት ኣብ ካልእ ህንጻ ክነብሩ ክጅምሩ እዮም። ንኩሎም ሰበስልጣንን ፖሊስን ድማ ንምትሕንፋጽ እዞም ስደተኛታት ክሰርሑ ንጽውዕ ምክንያቱ ገለ ካብዞም ሰባት ኣብ ኢጣልያ ን10 ዓመታት ዝጸንሑ ኣብ ኢጣልያ ዝተወልዱ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኢጣልያ ዝመሃሩ ቆልዑ ዘለውዎም ሰባት እዮም። ስለዚ ኣብቲ መስርሕ ምትሕፋጽ ሓገዝ ዝደልዩ እዮም።”

ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ምስ ወነንቲ እቲ ህንጻ ካልእ አማራጺ ንምንዳይ ኣብ ዘተ ከምዘለው ዝተገልጸ ኮይኑ ኣቐዲሙ ካልእ ኣርባዕተ ተመሳሳሊ ምስጎግ ስደተኛታት ካብ መንበሪ ህንጻ ምክያዱ ይፍለጥ።

ፖሊስ ከተማ ሮማ ግን ነዞም ካብቲ ዝነብርሉ ህንጻ ዝተሰጎጉ እሞ ኣብ ጎደናታት ዘለው ስደተኛታት ዝቀረብናሎም መጽለሊ ኣይተቐበልዎን ይብሉ አለው።

ሊካ ባላሲ ካብ ኢተርሶስ ዝተባህለ ግብረ ሰናይ ትካል ብዛዕባ እቲ ናብ ካልእ ቦታ ክጣየሱ ዝተዋህበ አማራጺ ከምዚ ይብል።

“ ሎሚ ዝፈለጥናዮ ነገር እንተሎ ኣብቲ ህንጻ አስታት 60 ደቂ ኣንስትዮን 35 ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ገለ ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት ኔሮም። እቲ ብኣና ዝቐረበ ቦታ ካብዚ ዝለመድዎ ደቆም ትምህርቲ ዝመሃርሉ ቦታ ዝረሓቐ ብምኳኑ ኣይተቐበልዎን” ኢሉ።

ኢጣልያ ዑቕባ ዝረኸቡ ስደተኛታት ዝዕቆብሉ ማእከል ከምዘይብላ እንተኾነ ኣብ መስርሕ ዑቕባ ንዘለው ግን መግብን መጽለሊን ከምትህብ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ጥራይ ኣስታት 600,000 ሰባት ናብ ኢጣልያ ምእታዎም ዝፍለጥ ኮይኑ ቅድሚ እቲ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ምርጫ እታ ሃገር ቀንዲ አጀንዳ እታ ሃገር ጉዳይ ስደተኛታት ምኳኑ’ውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG