ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መብዛሕትኦም ኤርትራዊያን ዝኾኑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሮማ ካብ ዝነበርሉ ህንጻ ምስጓጎም ተሓቢሩ


ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሮማ ኢጣልያ ንዓመታት ካብ ዝነብርሉ ዝነበሩ ህንጻ ብምስጓጎም ኣብ ኣፍደገ እቲ ህንጻ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዶም ተገሊጹ። መብዛሕትኦም መንግስቲ መንበሪ ከናድየሎም ተስፋ ብምግባር ኣብ ኣፍደገ እቲ ህንጻ ሰፊሮም ከምዘለውን ተፈሊጡ’ሎ።

ካብ ናይ ዋና ከተማ ኢጣልያ ሮማ ቀንዲ መስመር ባቡር ቀረባ ርሕቐት ዝርኸብ ህንጻ፡ ኣስታት 800 ዝኾኑ ስደተኛታት ክሳብ ቀዳም 10 ነሓሰ,2017 ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ክነብሩ ጸኒሖም።ቀዳም 19 ነሓሰ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ግን ብፖሊስ እታ ከተማ ካብቲ ቦታ ምስጓጎም ተገሊጹ’ሎ።

ካልእ ዝኸድሉ ቦታ ዘይብሎም ነበርቲ እዚ ህንጻ ድማ ኣብ ንዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣብ ኣፍደገ እቲ ህንጻ ዝርኸብ ሜዳ ምስ ኩሉ አቑሑቶም ይድቕሱ አለው።

ትማሊ ሶኑይ 21 ነሓሰ,2017 ፖሊስ ንነበርቲ እቲ ህንጻ ዓጂቦም ኣብቲ ህንጻ ዝተረፈ ንብረቶም ክወስዱ ከምዝገበረ ዝተፈልጠ ኮይኑ መብዛሕትኦም እዞም ስደተኛታት ናይ ዑቕባ ሕቶኦም መንግስቲ ዝተቐበሎ ኤርትራዊያን ምኳኖም አገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይገልጽ።

ስምኦን ተስፋሚካኤል ወዲ 40 ዓመት ኤርትራዊ ኮይኑ ኣብ ኢጣልያ ናይ ፖለቲካ ዐቕባ ዘለዎ ምኳኑ ብተወሳኺ ስንኩል’ውን እዩ። ካብቲ ህንጻ ተሰጉጉ ናብ ዝኸዶ ከምዘይብሉ ይገልጽ።

“ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ዝሓተትና ስደተኛታት ኢና። እዚ ከጋጥም እዩ ኢልና ሓሲብና ኣይንፈልጥን። ካብ መንግስቲ ሓገዝ ከይሓተትና ን13 ዓመታት ኣብዚ ህንጻ ክነብር ጸኒሕና።”

ካልእ ይርግዓለም ዝተባህለት ኤርትራዊት ስደተኛ’ውን “ ንሕና ክፉኣት ሰባት ኣይኮነና። ግብረ ሽበራዊያን’ውን ኣይኾናን። ኣብ ኢጣልያ ንብዙሓት ዓመታት ዝነበርና ዝኾነ ዓይነት ሕጊ’ውን ኣይጠሓስናን።ስለዚ ኸአ ከም ዜጋታት ክንረአ ንደልይ” ትብል።

ከተማ ሮማ ስደተኛታት ዝዕቆብሉ ማእከል የብላን። ኣብ መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ዘለው ጥራይ መግብ ንመጽለልን ይወሃቦም። እዚ ድማ ነቶም ዝተረፉ ብኣማ ኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብቲ ብቲቡርቲና ዝፍለጥ መደበር ባቡር ክነብሩ የገድዶም ምክንያቱ ንክራይ ገዛ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ኮነ ዝዕቖብሉ መጽለሊ የብሎም።

ካብቶም ስደተኛታት ዝተዋጽአ ልዑኽ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ትማሊ ሶኑይ ዝተራኸበ ኮይኑ መንግስቲ ነቶም ስድራ ዘለዎም፡ ንብዕድመ ዝደፍኡን አካላአ ጉዱኣትን ቀዳምነት ብምሃብ ከምዝሕግዝ መግለጺ ሂቡ አሎ።

እቲ ካብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝወጸ መግለጺ ግን ነቶም ኣብቲ ህንጻ ዝነብሩ ሰባት ቁጽሪ ከምዝጻረን ከምዘዘራርብዎምን እንተገለጸ መጽለሊ ክህቡ ምኳኖም ግን ኣይገልጽን።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኢሌኖራ ካሚሊ ካብ ጋዜጣ ረዳቶራ ሶሻለ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሰንበት ነሓሰ 20,2017 ንግሆ ቆልዑ ዘለዎም ስድራ ቤታት 53 ህጻናት ዝርኽእብዎም 70 ሰባት ናብቲ ህንጻ ክምለሱ ከለው 150 ስደተኛታት ኣብዚ ሕጂ እዋን’ውን ኣብ ጎደናታት ከምዘለው ትሕብር።

ንሳ ብተወሳኺ ድሕሪ እቲ ኣብ 2013 ዓ.ም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምባዱሳ ዝሞቱ አጋጣሚ ብዙሓት ሰባት ብዘይ ፍቓድ ኣብቲ ህንጻ ምንባር ከምዝጀመሩን ትሕብር።

XS
SM
MD
LG