ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጣልያን ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝሕዛ መራክብ ክትዓግት ምኳና ኣፍሊጣ


ሰበ ስልጣን ጣልያን መንግስቶም ዋንነቶም ናይ ጣልያን ዘይኾና ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ንምድሓን ናብ ወደባቱ ዝመጻ መራኽብ ደው ከብል ምኳኑ ትማሊ ኣብ ብራስለስ ንዝተጋብኣ ሕብረት ኣውሮጳ ኣፍሊጡ።

እዚ ሃንደበታዊ ውሳኔ ጣልያን ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት መብዛሕትኦም ካብ ኣፍሪቃ ዝኾኑ 11,000 ሓተቲ ዑቕባን ናይ ቁጠባ ስደተኛታትን ካብ ሊብያ ናብ ወደባት ጣልያን ድሕሪ ምብጽሖም ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣምባሳደር ጣልያን ንሕብረት ኣውሮጳ ሙሪዝዮ ማሳሪ ነቲ ሕብረት ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ እቲ ኩነታት ጣልያን ክትጻወሮ ከምዘይኸአለት ሓቢሮም ኣለው።

ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ብራስለስ ዝተኻየደ ጉባኤ ሕብረት ኣውሮጳ ጣልያን ባንዴራኣ ንዘይሓዛ ወይ አካል ናይቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝኻየድ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘይኾና መርከባት ናብ ወደባታት ክኣትዋ ከምዘይተፍቕድ ገሊጾም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ፓውሎ ጀነተሊ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብዚ ጣልያን ብዋሕዚ ስደተኛታትን ዘዕለቕለቐትሉ ጊዜ እቲ ዝግባእ ሓገዝ ከምዘይሃባ ወቂሶም።

ጣልያን ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝሕዛ መራክብ ክትዓግት ምኳና ኣፍሊጣ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:08 0:00

ሊብያ ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃን ካብ ዓረብ ፔንሱላ፡ግብጺ፡ሶርያን ባንግላዴሽን ተበጊሶም ኣውሮጳ ንምብጻሕ ማእኸላይ ባሕሪ ንዘቋርጹ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ቀንዲ መተሓላለፊት ምኳና ይፍለጥ።

መብዛሕትኦም ካብ ኩናትን ስቅያትን ዝሓድሙ እንተኾኑ ብዙሓት ድማ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ከምዘለውን፡ ጣልያን ድማ ንኩሎም ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታትን መዕቆቢት ኮይና ከምዘላ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ይሕብሩ።

ኣቐዲሙ ኣብታ ሃገር ኣብ ስርሒት ህይወት አድሕን ዝተዋፈሩ ዘይመንግስታዊ ትካላት ምስ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት ምትእስሳር ኣለዎም ዝብል ክትዕ ተላዒሉ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት 8,863 ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን ጣልያን ምብጽሖም እዚ ድማ ሶኑይ ጥራይ 5,000 ዝሓወሰ ምዃኑ ዓለምለኸ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ይገልጽ።

ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዓመተ 2017፡ 60,228 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ጣልያም ምእታዎም ዝገለጸ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት 1,562 ድማ ኣብ ጉዕዞ ምሟቶም ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG