ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሄንሪ ኪሲንጀር ዓሪፉ


ሄንሪ ኪሲንጀር - ፋይል
ሄንሪ ኪሲንጀር - ፋይል

ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢን ዝምድናታት ኣመሪካን ኣዝዩ ልሉይ ግደ ዘለዎን ተዓዋቲ ሽልማት ኖብል ሰላም ዝዀነ ሄንሪ ኪሲንጀር ኣብ መበል 100 ዓመቱ ትማሊ ረቡዕ 29 ሕዳር 2023 ዓሪፉ።

ኣብ ጀርመን ተወሊዱ፡ ምስቶም ካብ ግፍዒ ስርዓት ናዚ ዝሃድሙ ኣይሁዳውያን ስድራቤቱ ብንእሽቶኡ ናብ ኣመሪካ ዝመጽአ ኪሲንጀር፡ ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ድሕሪ ምምሃሩ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብኡ ምሂሩ።

ኣብ እዋን ፕረዚደትን ሪቻርድ ኒክሰን ፈለማ ኣማኻሪ ጸጥታ ዋይት-ሃውስ፡ ጸኒሑ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝዀነ ኪሲንጀር፡ ኣብቲ ኣሽሓት ሲቪላውያን ዜጋታት ዝሃለቑሉ ውግእ ቬትናምን ኣመሪካን ላዕለዋይ ዲፕሎማት ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ካብ ቬትናም ንምስሓብ’ውን ካብ ዝሰርሑ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ 1973 ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ሰላም ዝዀነ ኪሲንጀር፡ እቲ ሽልማት ዝዓበየ መዛረቢ ንክኸውን ገይሩ’ዩ። ድሒሩ ኣመሪካ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ብቦምባታት ዜጋታት ትቐትል ምንባራ ድሕሪ ምፍላጡ ድማ ክልተ ካብ ኣባላት እቲ ኮሚተ ሽልማት ኖበል ሰላም ብፍቓዶም ካብ መዝነቶም ወሪዶም።

ኪሲንጀር፡ ካብ ፖለቲካዊ መዝነት፡ ምስ ምምራጽ ኣባል ደሞክራት ጂሚ ካርተር ኣብ 1976 ደኣ ይውረድ እምበር፡ ጽልዋኡ ግን ብዝተፈለላየ መንገዲ ቀጺሉ’ዩ። ኣብ ምምኻር፡ መጽሓፍቲ ምፍራይን ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ኣስተምህሮታት ብምሃብን ድማ ንፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ምቕላስ መሪሕ ተራ ተጻዊቱ።

ሄንሪ ኪሲንጀር ኣቦ ክልተ ውሉዳት’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG