ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሓማስ እስራኤል ብወግዒ ኲናት ኣዊጃ'ላ


ካብ ቃዛ ናብ እስራኤል ዝተተኮሰ ሮኬታት
ካብ ቃዛ ናብ እስራኤል ዝተተኮሰ ሮኬታት

ዕጡቓት ሓማስ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ ስዒቡ ሎሚ ሰኑይ ንጉሆ እስራኤል ዘካየደቶ ብዙሕ መጥቓዕቲ ነፈርቲ ኣብ ቃዛ ከቢድ ደበና ትኪ ምርኣዩ ይግለጽ ኣሎ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ ብዕሊ ኲናት ኣዊጁ ኣሎ።

እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር 700 ሲቪል እስራኤላዊያን ሞይቶም ኣብ ቃዛ ድማ ልዕሊ 400 ሰባት ሞይቶም ኣለው።

ሚንስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ንእስራኤል ንምሕጋዝ ናውትን ተተኮስትን ይልእኽ ኣሎ። ኣመሪካ ነፈርቲ ውግእ ተሸካሚት መርከብ እውን ናብ ማእከላይ ባሕሪ ትልእኽ ኣላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ እስራኤላዊያንን ፍልስጤማዊያንን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ዋሽንግተን ኣመሪካ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፍታት ውጥረት ከምዝተፈጥረ ተገሊጹ።

እስራኤላዊያን ሃገሮም ኣንፃሪ ሓማስ እተካይዶ ዘላ ኲናት ብምድጋፍ ናይ ፍልስጤማዊያን ደገፍቲ ድማ ፍልስጤማዊያን ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዎም ንዝበሉዎ ንቃዛ ብምድጋፍ እዮም ክልቲኦም ጉጅለታት ሰልፊ ኣካይዶም።

እስራኤላዊያን ሰልፈኛታት ንኣሸበርቲ ትድግፉ ኣለውኹም ኢሎም ብምኽሳስ ወጥሪ ሓይሉ ነይሩ።

ሓደ እስራኤላዊ ሰልፈኛ ‘’ልክዕ ከምኣቶም፦ልክዕ ከምኣቶም’’ እናበለ ክጭርሕ ከሎ ፍልስጤማዊያን ሰልፈኛታት ድማ "ካብ ሩባ ክሳብ ባሕሪ ፍልስጤም ነፃ ክትኸውን እያ’’ ዝብል ድምፂ ብምስማዕ ተቓውምኦም ገሊፆም።

ድሕሪ ናይ ክልተ ስዓታት ሰልፊ ክልቲኦም ወገናት ብሰላም ተበቲኖም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG