ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረ መልሲ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንግጭት እስራኤልን ሓማስን


ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሃመት "ክህደት ንመሰረታዊ መሰል ህዝቢ ፍልስጤም ብፍላይ ድማ ንናጻን ሉኣላዊ ግዝኣት ፍልስጤምን ቀንዲ ውጥረት ፍልስጤምን እስራኤልን'ዩ" ክብሉ ከለው ክልቲኦም ወገናት ተጻብኦ ከቋርጹን ናብ ዘተ ብዘይ ቕድመ ኩነት ክምለሱን ጸዊዖም።

ሚ/ጉ/ወጻኢ ግብጺ ብወገኑ እቲ ኩነታት ከቢድ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ብምግላጽ ሰላማዊያን ሰባት ናብ ሓደገኛ ኩነታት ካብ ምቕላዕ ክቁጠቡ ንክልቲኦም ወገናት ጻዊዒቶም ኣቕሪቦም።

ናብ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምስ እስራኤል ብ'ስምምዕ ኣብርሃም' ኣብ ምምላስ ትርከብ ሞሮኮ እቲ ኩነታት ከምዘተሓሳሰባ ብምግላጽ ነቲ መጥቃዕቲ ብምኲናን ኣብ ዝሓለው ይሓልው ሰላማዊያን ሰባት ክከላኸሉ ኣተሓሳሲባ።ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ፓርላማ ዝበዝሓ ድምጺ ዘለዎ ፓርቲ ሞሮኮ PJD ንመጥቃዕቲ ሓማስ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ'ሎ።

ጸሓፊ ሚ/ጉ/ወጻኢ ኬንያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣቐዲሙ ትዊተር ዝፍለጥ ዘውጽኦ መልእኽቲ ነቲ መጥቃዕቲ ብምዂናን እስራኤል ግብረ መልሲ ናይ ምሃብ መሰል ከምዘለዋ ብምግላጽ ክልቲኦም ወገናት ኩነታት ካብ ምግዳድ ክቁጠቡ ጸዊዖም።

ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ ብወገኖም "ነቲ ግጭት ዘጣዕስ'ዩ" ብምባል ድሕሪ ምግላጽ "ክልቲኦም ወገናት ክልተ ግዝኣታት ብምምስራት ዘይፍትሓሉ ምክንያት እንታይ'ዩ?" ክብሉ ሕቶ ኣቕሪቦም ቀጺሎም ክዂነን ዝግብኦ ሰላማዊያን ሰባትን ዘይተዓጥቑ ሰባትን ዒላማ ምግባር'ዩ ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG