ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ እስራኤል ግጭት ንካልኣይ መዓልቲ ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ


ወሽመጥ ቃዛ
ወሽመጥ ቃዛ

መንግስቲ እስራኤል ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኩሎም ተዋጋእቲ ሓማስ ከምዘውጽእዎም ሎሚ ሰንበት 8 ጥቅምቲ 2023 ኣፍሊጡ'ሎ።

ወታሃደራዊ ሰብ-ሰልጣን እስራኤል ድሕሪ'ቲ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ብዕጡቓት ሓማስ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ "ብኣማኢት ዝቑጸሩ ግብረ-ሸበራዊያን" ተቐቲሎም ኣለው ይብሉ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ክፋል'ታ ሃገር ኣብ ጥቓ ወሽመጥ ቃዛ ንከተማ ሲድሮት ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ግጭት ምህላው ሓቢሮም ኣለው።

ሌ/ኮ ጆናታን ኮንሪቸስ ካብ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ካብቶም ናብ እስራኤል ብምእታው ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ዕጡቓት ሓማስ ኣስታት 1-ሽሕ ምሟቶም ንመደበር ቴሌቭዥን ሲ.ኤን.ኤን ሓቢሩ።

ይኹን ደኣ እምበር እስራኤል ንሃለዋት ዝተጨወዩ ዜጋታት ንምፍላጥ ሓገዝ ካብ ግብጺ ትጽበይ ምህላዋ'ውን ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል ሓቢሩ'ሎ።

ክልቲኦም ወገናት ሓማስ ብቐዳም ኣባላት ሰራዊት እስራኤልን ሰላማዊያን ሰባትን ኣሲሩ ምውሳዱ ገሊጾም'ዮም እንተኾነ ብዝሖም ኮነ ዝርዝር ዝተፈልጠ ሓበሬታ የለን።

እስራኤል ከም ግብረ መልሲ ሎሚ ሰንበት መጥቃዕቲታት ሮኬት ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ምክያዳን ወታሃደራዊ መደበራት ሓማስ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩን ተሓቢሩ'ሎ።

ሓማስ ብወገኑ መጥቃዕቲታኡ ብምቅጻል ሮኬታት ናብ ዝተፈላለየ ከተማታት እስራኤል ንቴል-ኣቪቭ ሓዊሱ ወንጪፎም ኣለው።

ዕጡቓት ሓማስ ትማሊ ቀዳም ናብ እስራኤል ብወገን ቃዛ ብማይ:መሬትን ኣየርን ሰሊኾም ብምእታው ድሕሪ ዝፈጸምዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣስታት 250 እስራኤላዊያን ምሟቶምን ሓደ ሽሕ ምቁሳሎምን ተሓቢሩ'ሎ።

ሚንስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ብወገኑ ኣስታት 256 ሰባት ምሟቶምን ልዕሊ 1,788 ምቁሳሎምን ሓቢሩ'ሎ።

ሰራዊት እስራኤል ብተወሳኺ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዶብ ሊባኖን ምስ ዕጡቓት ሂዝቦላህ ተኹሲ ምልውዋጦም ተፈሊጡ'ሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ትማሊ ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ዝተናወሓ ኲናት ኣብ መጻኢ ከጋጥም ከምዝክእል ሓቢሮም ኣለው።

ቀ/ሚ ነታንያሁ ወሲኾም እስራኤል ሓይሊ ኤሌትሪክ: ነዳዲ ካልኦት ኣቑሑትን ናብ ቃዛ ዝኣትው ከምትክልክል ኣፍሊጦም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG