ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ኣፍሪቃ፡ሕ/ሃገራትን ሕ/ኣውሮጳን  ኣብ ሊብያ ንዘሎ ምጥሓስ ስብኣዊ መሰላት ንምቅላል ኣብ ዘኽእል መደብ ተሰማሚዖም


ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ከም አካል እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ንምቅላል ዝኻየድ ዘሎ ጻዕርታትን መርበብ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ንምፍራስን ንምጥያስ ስደተኛታትን ኣብ ሓደ ናይ ህጹጽ እዋን መደብ ምስምማዖም ተገሊጹ።

እተን ትካላት ኣብዚ መደብ ዝተሰማምዑ ኣብቲ ካብ ሕዳር 29-30 ኣብ ከተማ ኣቢጃን ኣይቨሪኮስት ክኻየድ ዝቐነየ ዋዕላ ሕብረት ኣውሮጳን ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ዝተዛዘመሉ እዋን እዩ።

ኣብዚ ወርሒ’ዚ ብመደበር ቴሌቭዥን ሲኤንኤን ዝተዘርገሓ ምሻጥ ስደተኛታት ንግልያነት ኣብ ሊብያ ዘርእይ ምስሊ ንሃገራት ኣውሮጳ ዘሰንደበ ንብዙሓት ኣፍሪቃዊያን ድማ ዘሕረቐ እዩ ኔሩ፡ ስለዝኾነ ድማ ናብ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ኣብ ዝስደዱ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ዝፍጸም በደል ንምቅላሕ ቀንዲ ዛዕባ’ቲ ዋዕላ ኣብ ኣፍሪቃዊያን መንእሰያት ትኹረት ምግባር ዝብል ዝነበረ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ዝተሳተፉ ፕረዝደንት ናይጀርያ መሓመዱ ቡሃሪ ኣብ ሊብያን ካልኦት ክፍልታት ዓለም ተቐርቒሮም ዘለው ዜጋታቶም ናብ ሃገሮም ክመልሱ ቃል ብምእታው ንማህበራዊን ቁጠባዊን መደባት እታ ሃገር ከምዘስፍሑ’ውን ገሊጾም ኣለው።

ጠቅላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ብወገኖም ከምዚ ኢሎም።

“ኣሰቃቂነት እቲ ኣብ ሊብያ ብጊልያነት ክሽየጡ ዘርእይ ምስሊ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ ዘዘካኽር’ዩ። ስደተኛታት ብድሆታት የቕርቡ’ዮም እንተኾነ ኣብ ጉዳይ ምዕባለ፡ ምዕባይ ንቡር ስራሕ፡ምሕያል ምትሕብባር ዝብሉ ዕድላት’ውን ዘቕርቡ’ዮም። ኩለን ሃገራት ዶባተን ብሉዓላዊ መንገዲ ናይ ምቁጽጻር መሰልን ግዴታን ኣለወን። ነዚ ድማ ዓለምለኸ ሕግታት ስደተኛታትን ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ፍልሰተኛታትን ብምሉእ ብምኽባር ክፍጸም ኣለዎ።”

ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ንስደተኛታትን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብታ ብኩናት ዝባደመት ሊብያ ዝርኸቡ ስደተኛታት ዝከላኸል ፍሉይ ግብሪ ሓይሊ ከምዝዳለው’ውን ሓቢሮም ኣለው።

ቦርኪኖፋሶ “ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ጊልያነት ክህልው ዘይቅቡል’ዩ” ብምባል ኣብታ ሃገር ዝነበረ ኣምባሳደራ ከምዝሰሓበት ተፈሊጡ’ሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ምኽልኻል ምንቅስቃስ ንብረትን ፋይናንሳዊ እገዳ ኣብ ልዕሊ ዝፍለጡ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ክውሰን’ውን ተሰማሚዖም ኣለው።

መንግስቲ ሊብያ ብወገኑ ብዛዕባ እቲ ምሻጥ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ንጊልያነት ምርመራ ከኻየድ ቃል ብምእታው ሕቡራት ሃገራት ንመዳጎኒ ማእከላት ስደተኛታት ክርእዩ ከምዝፍቕድ ገሊጹ ኣሎ።

ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ብወገነን ንኣብ ሊብያ ዝርኸቡ ስደተኛታት ከጣይሱ ዝተሰማምዑ ኽኮኑ ከለው እዚ መስርሕ ምጥያስ ብመንጎኝነት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ክስርሓሉ ምጅማሩ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ዝርኸቡ ስደተኛታት ድማ መጀመርያ ናብ ኒጀር ወይ ቻድ ከምዝኸዱ ካብኡ ናብ ሳልሳይ ሃገር ከምዝጣየሱ ኣብቲ ዋዕላ ተገሊጹ’ሎ።

ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ዝጉዓዙ ስደተኛታት ቀንዲ መተሓላለፊ ቦታ ምኳኑ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG