ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ፈደራል ሰራዊት ዳግማይ ንላሊበላ ተቖጻጺሩ፡" ነበርቲ


ላሊበላ - ፋይል
ላሊበላ - ፋይል

ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲን ዕጡቕ ጉጅለ ፋኖን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሎሚ ሓሙስ ታሪኻዊት ከተማ ለሊበላ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት መንግስቲ ከም ዘላ ንነበርቲ ብምውካስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ካብን ናብን ኢድ ክትለዋውጥ ዝጸንሐት ከተማ ላሊባል፡ ሰራዊት ሚሊሻ ፋኖ ነታ ከተማ ሓዲጎም ናብ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ከም ዝለቐቑ እቶም መሰኻኽር ገሊጾም።

ትማሊ ረቡዕ ንላሊበላ ከተማ ንምቍጽጻር ሓይል ምልውዋጥ ተዅሲን ደብዳብ ከቢድ ብረትን ምንባሩ ዝሓበሩ ነበርቲ፡ ኣማስያኡ ዝበዝሐ ክፋል እታ ከተማ ብሓይልታት ፋኖ ተታሒዛ ምውዓላን ምምሳያን ይሕብሩ።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይቀንዐን።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ዘሎ ምቍራጽ መራኸቢታት ነቲ ዝብሃል ዘሎ ሓበሬታ ብናጻ ምንጪ ምርግጋጽ ከም ዝኸብድ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጠቒሱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG