ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላሊበላ፤ ነበርቲ ኲናት ምህላዉ ይሕብሩ፡ መንግስቲ ግን ይነጽጎ


ላሊበላ- ፋይል
ላሊበላ- ፋይል

በበይኖም ነበርቲ ከተማ ላሊበላ ንሮይተርስ ብስልኪ ከም ዝሓበሩዎ፡ ሎሚ ረቡዕ’ውን ኣብታ ከተማ ደብዳብ ከበድቲ ብረትን ምልውዋጥ ተዅሲን ቀጺሉ ኣሎ።

ኣብቲ ሃይማኖታዊን ፍሉይ ታሪኻዊ ስፍራን ዝነብር ሓደ ዲያቆን ንሮይተርስ ብስልኪ ከም ዝሓበሮ፡ በቲ ካብ መንግስቲ ዝፍኖ ዘሎ ተደጋጋሚ ምውንጫፍ ከቢድ ብረት፡ ቤተ ክርስትያን ይህረም ኣሎ ይብል። ከም ሓበሬታ ነበርቲ እቲ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ዝጀመረ ምልውዋጥ ተዅሲ ብዅሉ መኣዝን’ታ ከተማ’ዩ ቀጺሉ።

ሓይልታት ፋኖ ንታሪኻዊት ቦታ ላሊበላን ከተማ ጎንደርን ንምቍጽጻር ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ የካይዱ ከም ዘለዉ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ይሕብሩ። እዚ ጸብጻብ ኣብ ዝተዳለወሉ ሰዓታት፡ ላሊበላ ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ሰራዊት ሚሊሻ ፋኖ ምህላዋ’ውን ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓቢሮም።

ሚዛን ሓይሊ በበእዋኑ ይቀያየር ስለ ዘሎ ግን፡ ምስ ምቍርራጽ መራኸቢታት ምሉእ ስእሊ ንምርካብ ኣጸጋሚ’ዩ ዘሎ።

ወሃብ-ቃል መንግስቲ ለገሰ ቱሉ ግን ነቲ ዝተባህለ ብምንጻግ፡ ላሊበላን ከባቢኣን ኣብ ምሉእ ሰላማዊ ሃዋሁ ከም ዘሎ ንሮይተርስ ሓቢሩ። ሮይተርስ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝገበሮ ሃቐነ ኣይቀንዖን። ምስቲ ዘሎ ሕጽረት መራኸቢታት ብኣካል ምርግጋጽ ከም ዘይከኣል’ውን ወሲኹ ሓቢሩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG