ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደብዳብ ከቢድ ብረት ንታሪኻዊ ቅርሲ ላሊበላ ከየዕኑ ስክፍታ ይፈጥር


ላሊበላ - ፋይል
ላሊበላ - ፋይል

ዝተሓደሰ ጎንጺ ክልል ኣምሓራ ኣብ ታሪኻዊን ሃይማኖታዊን ስፍራ ላሊበላ ነባሪ ዕንወት ከይሰዕብ ነበርቲን ተሓለቕቲን ስክፍታኦም ይገልጹ ኣለዉ።

ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት 5 ሕዳር 2023 ፈደራል መንግስቲ 11 መዳፍዕ ናብቲ ከባቢ ምትኳሱ ንምንጭታት ከባቢ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ'ሎ። ንድሕነቶም ክብሉ መንነቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ምንጭታት ሮይተርስ፡ ላሊበላ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሓይልታት ስለ ዘላ፡ ኣብቲ ከባቢ ዓስኪሩ ካብ ዘሎ ሓይሊ ፈደራል መንግስቲ ተደጋጋሚ ደብዳብ ከቢድ ብረት ይወቕዓ ኣሎ ይብሉ።

እቲ ናይ ርሑቕ ደብዳብ ነቲ ታሪኻዊ ቅርሲ ከየዕኑ ነበርቲን ምእመናን ስግኣቶም የካፍሉ ኣለዉ።

ሮይተርስ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ኣምሓራን ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝገበሮ ፈተነ ኣይቀንዖን።

ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ዘሎ ፖለቲከኛን ተወላዲ እቲ ከባቢ ምዃኑ ዝሕብርን ልደቱ ኣያለው ግን በቲ ዝካየድ ዘሎ ተደጋጋሚ መዳፍዕ እቲ ጥንታዊ ቅርሲ ናይ ምዕናው ሓደገኝነት የንጸላሉዎ ምህላዉ ንሮይተርስ ርእይቶኡ ኣካፊሉ።

ኣብ 12 ዘመን፡ ኣብ ከውሒ ዝተሃንጸ ቤተ ክርስትያን ላሊበላ ካብ 1978 ኣትሒዙ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ዝተመዝገበ’ዩ።

ካብ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ምክልኻል መንግስቲን ብዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ ጎንጽታት ዛጊት ህይወት 183 ሰባት ወሲዱ ምህላዉ ሮይተርስ ይሕብር። ምስቲ ዘሎ ምቍራጽ መራኸቢታትን ድሩትነት ምንቅስቓስን ግን ምሉእ ስእሊ ናይቲ ጎንጺ ምፍላጥ ኣጸጋሚ’ዩ ክብል ሮይተርስ ወሲኹ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG