ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ካብ ማእሰርቲ ዝተለቐቑ ኣባል ኣመራርሓ ፓርቲ ሓድነት ነበር ንመንግስቲ ይከሱ

  • መለስካቸው ኣምሃ

ኣቶ ሃብታሙ ኣያሌው

ብሰንኪ ምጉዳል ፍትሒ ዝወረደኒ ተጽዕኖ ናይ ሕልናን ናይ አካል ጉድአት አስዒብለይ'ሎ ክብሉ ሎሚ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ኣባል ኣመራርሓ ፓርቲ ሓድነት ነበር ኣቶ ሃብታሙ ኣያሌው ገሊጾም።

ኣቶ ሃብታሙ ኣያሌው ኣብዚ እዋን'ዚ ዝኾነ ናይ ደሕንነት ስሚዒት ከምዘይስምዖም ሓደጋ ከምዘንጸላለዎም'ውን ብተወሳኺ ይገልጹ።

ንሶም ዝተረፉ ብጾቶም ክፍትሑ ተስፋኦም ምኳኑ ገሊጾም ናቶም ምፍታሕ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ከምዝፈጠረሎም ገሊጾም።

ኣቶ ሃብታሙ ኣያሌው ምስ ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ቅድሚ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሒን ዓቃቢ ሕጊ ብግብረ-ሽበራ ከሲስዎም ኔሩ። እዞም ሎሚ ዝተፈትሑ ኣቶ ሃብታሙ ኣያሌውን ኣቶ ሰለሙን አብርሃምን ሓዊሱ ሓሙሽቲኦም ቅድሚ ኣዋርሕ ቤት ፍርዲ ነጻ ክልቐቑ ውሳኔ ከምዝሃበ ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG