ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠቕላሊ ቤትፍርዲ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ተቓወምቲ ሎሚ'ውን ውሳኔ ኣይሃበሉን


ላዕለዋይ ፌደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ኣባላት ኣመራርሓ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዝሃቦ ብይን ብምቅዋም ዓቃቢ ሕጊ ንዘቕረቦ ጥርዓን ዝሰምዕ ጠቕላሊ ፌደራል ቤት ፍርዲ ሎሚ እውን ውሳነ ከምዘይሃበሉ ተፈሊጡ።

ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ሎሚመዓልቲ ውሳነ ዘይሃብሉ ምኽንያት ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ብይን ዝሓዘ ሰነድን ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦም መርትዖታትን ስለዘይበፅሖ ምዃኑ ገሊፁ’ሎ።

ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ብይን ንምሃብ ቖፀሮ ክህብ እዚ ንሳልሳይ ግዜ ኽከውን ኸሎ እቲ ሰነድ ን29 ጥቅምቲ 2008 ዓ/ም ንክቐርብ ኣዚዙ’ሎ።

ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኣመራርሓ ናይ ቀደም ናይ ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ሃብታሙ ኣያሌውና ኣቶ ዳንኤል ሺበሺን፣ኣባል ኣመራርሓ ዓረና ትግራይ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ፣ኣባል ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ዳንኤል ሺበሺ ከምኡ እውን ኣቶ ኣብርሃም ሰለሞን ብሽበራ ዝኸሰሶም ኽከውን ኸሎ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግን እቲ ገበን ዝተፈፀመ ንምዃኑ ከረድእ ኣይክኣለን ክብል ምክልኻል ከየድለዮም ክሰናበቱ ምውሳኑ ይዝከር።

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG