ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈደራል ቤትፍርዲ ኢትዮጵያ ሎሚ'ውን አብ ጉዳይ ኣባላት ኣመራርሓ ፓርቲ ሓድነትን ዓረና ነበር ውሳኔ ኣይሃበን


ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ ኣባላት ኣመራርሓ ፓርቲ ሓድነት፣ዓረናን ነበርን ካልኦትን ሎሚ እውን ውሳኔ ኣይሃበን።

እቲ ቤት ፍርዲ ዓቃቢ ሕጊ ካብ ሃገራዊ ድሕነት ረኺበዮም ዝበሎም ትንታነ እምበር ጭቡጥ መረዳእታታት ስለዘይኮነ ነፍሲ-ወከፍ ተኸሳሲ ብኢ-ሜይል፣ብፌስቡክ ወይም ብስልኪ ወይም ብዝኾነ ይኹን ካልእ መንገዲ ዝገበሮ ርክብ ከይተንተነ ክቐርብ ኣለዎ ኢሉ’ሎ።

መረዳእታታት ናይ ምትንታን ወይ ትርጉም ናይ ምሃብ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ስራሕ ከይኮነስ ናይቲ ቤት ፍርዲ ሓላፍነት'ዩ ዝበለ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ቀንዲ መካትዒ ናይቶም ተኸሰስቲ እዚ ከምዝነበረ ድማ ኣዘኻኺሩ’ሎ።።እዚኦም ተማሊኦም ክቕርቡ ብምእዛዝ ውሳነ ንምሃብ ን24 ጥሪ 2008 ዓ.ም ቆጸሮ ሂቡ’ሎ።

ዓቃቢ ሕጊ ቅድሚ ሓደ ዓመት ንናይ ቀደም ኣባላት ኣመራርሓ ፓርቲ ሓድነት ኣቶ ሃብታሙ ኣያሌውን ኣቶ ዳንኤል ሺበሺን፣ኣባል ኣመራርሓ ፓርቲ ዓረና ትግራይ ኣቶ ኣብርሃ ደስታን ካልኦትን ብገበን ሽብራ ኸሲሱዎም ክከራኸሩ ድሕሪ ምጽንሖም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ 14 ነሓሰ 2007 ዓ.ም ምክልኻል ከየድለዮም ብነጻ ኣሰናቢቱዎም ነይሩ።

XS
SM
MD
LG