ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ምቁራጽ ሓገዝ መግቢ ንብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ዝቐጽዕ እዩ ክትብል ትግለፅ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ክልተ ዓበይቲ ትካላት ረድኤት ሓገዝ መግቢ ናብ ኢትዮጵያ ምልኣኽ ደው ምባለን ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ነቒፉ። እተን ትካላት ረድኤት ሓገዝ መግቢ ምልኣኸ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ዝወሰዳ እቲ ረድኤት ናብ ዘድልዮም ሰባት ዘይኮነስ ኣብ ካልእ መዓላ ብምውዓሉ'ዩ ይብሉ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ናይ ኣመሪካ ዓለምለኸ ትካል ልምዓትን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ንብሚሊዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ዝቐጽዕ እዩ ኢሎም።

ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ቀንዲ ዓለምለኸ ትካል ዝኾነ ዓለምለኸ ትካል ልምዓት መግቢ(ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ዝከፋፈለሉ ንፁር ኣሰራርሓ ክሳብ ዝተኣታቶ ምክፍፋል መግቢ ደው ምባሉ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ ገሊፁ። ፕሮራግም መግቢ ዓለም እውን ገሊኡ ሓገዝ መግቢ ብግዚያዊነት ጠጠው ብምባል ኣሰር ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ስዒቡ እዩ።

እቲ ውሳነ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናትን ኣብ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን እታ ሃገር ብዘጋጠመ ሓያል ድርቅን ብሕፅረት መግቢ ንዝሳቐዩ ዘለው ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ዝትንክፍ እዩ።

ክልቲኦም ትካላት ረድኤት መንነት ነቲ ረድኤት ዝወሰዱን መሊሶም ዝሸጡ ዘለውን ኣካላት ኣይገለጹን።

ወሃቢ ቃል ኣቶ ለገሰ ቱሉ ግን ነቲ ረድኤት ጠጠው ምባል ‘ፖለቲካዊ’ እዩ ክብሉ ብምፅዋዕ ረድኤት ናብ ካልእ መዓላ ክዘውር ብምግባር መንግስቲ ተሓታቲ ምግባር ተቐባልነት የብሉን ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG