ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ መግቢ ኣቋሪጹ


ንውሳነ መንግስቲ ኣመሪካ ስዒቡ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP) እውን ንኢትዮጵያ ክገብሮ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ሓገዝ መግቢ ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚሩ ከም ዘቋረጾ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ብተመሳሳሊ ብሰንኪ ሰፊሕ ምጥፍፋእ ንሓገዝ ዝመጽአ እኽሊ ንመደባቱ ንዘይተወሰነ ግዜ ከም ዘቋረጾ ኣመልኪቱ ኣሎ። ኣብታ ብሰንኪ ኲናት ደርቂ ኣዝያ ተሃስያ ዘላ ኢትዮጵያ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ሓገዝ የብጻሕ ምንባሩ ሮይተርስ ይሕብር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ብዛዕባ’ዚ ምቍራጽ ሓገዛት ንኣስታት 20 ሚልዮን ተጻባዪ ረዲኤት ዝሃቦ ወግዓዊ ምላሽ የሎን።

ትካል ልምዓት ኣመሪካ (USAID) እቲ ንጽጉማት ተባሂሉ ዝመጽእ ሓገዝ ናብ ወታሃደራዊ መዓላን ቀለብ ወታሃደራት ይኸውን ምህላዉ’ዩ ኣመልኪቱ። ኣብቲ ነዊሕ ሱር ዝሰደድ ብልሽውና ዝበሎ ድማ ኣካላት ፈደራልን ክልላት ተሓባበርቲ ብምባል ወንጂሉዎም ኣሎ።

ክልተ ካብተን ዓበይቲ ለገስቲ ምዃነን ዝፍለጣ ትካላት ኣቐዲመን ሓገዝ ኣብ ክልል ትግራይ ዘቋረጻ ኰይነን፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብቲ ቦታ ዝነጥፉ ምንጭታት ብምውካስ ከም ዘሰፈሮ፡ ምቍራጽ ሓገዝ ኣብ ክልል ትግራይ ድሮ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ካብ ኣመሪካ ብሓገዝ እኽሊ ኣብ መላእ ዓለም ቀዳመይቲ እትስራዕ ሃገር ምዃና ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG