ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ፡ ንኢትዮጵያ ትህቦ ዝነበረት ሓገዝ መግቢ ደው ከምተብሎ ሓቢራ


ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ምስ ሚ/ጉ/ወ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተራኸብሉ ዝተወስደ
ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ምስ ሚ/ጉ/ወ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተራኸብሉ ዝተወስደ

ኣህጉራዊ ትካል ረድኤት ኣመሪካ(ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ንኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ረድኤት መግቢ ናብ ተጸበይቲ ይበጽሕ የለን ብዝብል ጠጠው ከም ዘበሎ ኣፍሊጡ።

ሓገዝ መግቢ ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከይበጽሕ ኣብታ ሃገር ሰፊሕን ዝተወሃሃደን ወፍሪ ከም ዘሎ ኣህጉራዊ ትካል ረድኤት ኣመሪካ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ውሳነ ምብጽሑ ሓደ ወሃቢ ቃል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ መግለጺ ብድሕሪ`ቲ ወፍሪ ዝምታ መን ከም ዘሎን፡ እቲ ረድኤት ናበይ ይኸይድ ከም ዘሎን ግን ኣይጠቐሰን። ኣመሪካ ኣብታ ልዕሊ 20 ሚልየን ተጸበይቲ ረድኤት ዘለውዋ ኢትዮጵያ፡ ዝዓበየት ለጋሲት መግቢ ክትከውን ከላ፡ መብዛሕቲኦም ተጸበይቲ ሓገዝ ኣብቲ ብደርቂ ዝተሃርመን ኣብቲ ኣብ ቀረባ ኲናት ዝነበረሉን ክልል ትግራይን ዝርከቡ`ዮም።

ኣቐዲሞም ኣህጉራዊ ትካል ረድኤት ኣመሪካን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ግዙፍ ዓቐን ዘለዎ ረድኤት ኣብ ተጸብይቲ ከይበጽሐ ይሰረቕ ኣሎ ብዝብል ኣብ ክልል ትግራይ ዝወሃብ ረድኤት ጠጠው ኣቢሎሞ`ዮም።

ብመሰረት ሮይተርስ ዝርኣዮን ካብ ጉጅለ ለገስቲ ወጻኢ ሃገራት ዝተረኽበ ሓበሬታን፡ መግቢ ናብ ኣባላት ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ይጥወ`ሎ ኢሉ ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ከምዝኣምን ይሕብር። ወሃብቲ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ምላሽ ኣይሃቡን።ኣህጉራዊ ትካል ረድኤት ኣመሪካ'ውን ብዛዕባ`ቲ ሪፖርት ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ`ሎ። ኣብ ስርዓት ኣተዓዳድላ እምነት ምስ ኣሕደረ እቲ ምዕዳል ረድኤት ከምዝቕጽሎ ግን ኣፍሊጡ`ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝርከቡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ኣልዒሎም ከም ዝተዘራረቡ ሮይተርስ ሓቢሩ`ሎ።

ድሕሪኡ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ ምጥዋይ ረድኤት ምሉእ መርመራ ንምግባር ምስ ኣመሪካ ክሰርሕ ድልው ምዃኑ ብሊንከን ብሓጎስ ከምዝተቐበልዎም ገሊጹ'ሎ።

ኣንተኒ ብሊንከን ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኲናት ድሕሪ ምዕራፉ፡ ዘላቒ ሰላም ኣብ ምውሓስ ንዘሎ ምዕባለ ንዒዱ። ከምኡ`ውን ብዛዕባ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፡ ግልጺ ፍትሓዊ መስርሕ ከምኡ`ውን ብዛዕባ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ዝቐጸለ ውጥረት ብዛዕባ ምፍታሕ ከም ዝተዘራረበ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG