ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይሮቢ ዝካየድ ልዝብ ሰላም ኢትዮጵያ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀጺሉ'ሎ


ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ናይሮቢ የካይዱዎ ዘለው ዝርርብ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀፂሉ ከምዘሎ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብሰኑይ ዝተጀመረ ልዝብ ብዕዉት ኣገባብ ይካየድ ኣሎ ዝበሉ እቶም ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም እቲ ዝርርብ ሎሚ ወይ ጽባሕ ከም ዝዛዘም ሓቢሮም።

ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን እቲ ስምምዕ ሰላም ግብራዊ ክኸውንን ኣብ ዳግም ምጥያስን ዳግመ ህንፀትን ሓገዝ ከምዝገብሩን ኣብ ምግላፅ ይርከቡ ኢሎም።

ምስ ተዛተይቲ ወገናት ሓቢርና ምስራሕና ክንቕፅል ኢና ዝበሉ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ድማ ቀፃሊ ግብራዊነት እቲ ስምምዕ ወሳኒ እዩ ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG