ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ኣብ ናይሮቢ ዝካየድ ዘተ ቀጺሉ'ሎ


ኣብ ናይሮቢ ይካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ሎሚ ሰሉስ ንካልኣይ መዓልቲ ከምዝቀጸለ ተፈሊጡ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብመሰረት ዝዘርገሖ ሓበሬታ እቲ ሓባራዊ ኣኼባ፣ ድምጺ ጥይት ከህድእ፣ ሰብኣዊ ቀረባትን ኣገልግሎታትን ናብ ክልል ትግራይ ዝኣትወሉ ኣገባብ ባይታ ከጣጥሕ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ ይብል።

ኣብ’ቲ ናይ ናይሮቢ ኣኼባ ይሳተፉ ካብ ሞንጎ ዘለው፣ ኣዛዚ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን፣ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ከምዝኾኑ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG