ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓገዝ ማህበረሰብ ዓለም ብህጹጽ እንተዘይበጺሑ 10.2 ሚሊዮን ኢትዮጵያዊያን ብሓደጋ ጥምየት ክጥቕዑ’ዮም ተባሂሉ


ዞባ ኣርሲ ወረዳ ዙዋይ ዱግዳ
ዞባ ኣርሲ ወረዳ ዙዋይ ዱግዳ

ሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም ብህጹጽ እንተድኣ ዘይበጺሑ 10.2 ሚሊዮን ኢትዮጵያዊያን ካብ ዝቕጽል ወርሒ ሚያዚያ ጀሚሮም መግቢ ኣይህልዎም ተባሂሉ።

ይ USAID ኣማሓዳሪት ጌል ስሚዝ ዝቕጽላ ክልተ ሰሙናት ወሰንቲ እየን ኢለን ኣለዋ። በመሰረት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ጸብጻብ ምላሽ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዘሎ መንግስቲ እዋናዊ ሓበሬታ ኣይሃበን ይብል።

10.2 ሚሊዮን ኢትዮጵያዊያን ንምሕጋዝ ንዝቐረበ ጻውዒት ብዙሕ ትጽቢት ይግበረሉ’ሎ።ኣብ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሑ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪ-ሙን ሓዊሱ ሓለፍቲ ኣካላት ሕቡራት መንግስታት ዝተረኸብሉ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ድርቂ ዝጠመተ ዝርርብ ተኻይዱ’ሎ።

ንካብቲ ዘድልይ ሓገዝ 1.4 ቢሊዮን ዶላር ወይ 25 ቢሊዮን ብር እቲ ዝበዝሕ ከምዘይተረኸበ ተገሊጹ’ሎ።ኣብ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተሳተፈ ልኡኽ ዩናይትድ ስቴትስ ዝመርሓን ኣብቲ ዝርርብ ዝተሳተፋን ኣማሕዳሪት USAID ጌል ስሚዝ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ኢለን።

ኣማሓዳሪት USAID ጌል ስሚዝ
ኣማሓዳሪት USAID ጌል ስሚዝ

‘ካብ ዘድሊ ገንዘብ ክንደይ ከምዝተረኽበ ንግዚኡ ክገልጾ ኣይክእልን እየ።ምስ ተወሳኺ ሓገዝ 97 ሚሊዮን ዶላር ደሚርና ነቲ ዝተረክበ ሓገዝ ወግዓዊ ክከውን’ዩ። ካብ ዝተሓተተ ኣስታት 46 ሚእታዊት ዝኸውን ሓገዝ ምርካቡ ግን ፈሊጥና ኣለና።ኣብ ሓጺር እዋን ዝተውሃበ ምላሽ ሕማቕ ዝብሃል እንተዘይኮነ እውን ብህጹጽ ንምብጻሕ ዝተረፈ ግዜ ግን ውሱን እዩ።ስለዚ ብቕልጡፍ ክንቀሳቐስ ኣለና።’

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪ-ሙን ብምኽንያት እቲ ድርቂ ናይ 2007ን 2008 ዓ/ም 90 ሚእታዊት ናይ ቀውዒ ምህርቲ ኣብ ዝሰኣነ ክልል ኦሮሚያ፣ዞባ ኣርሲ ወረዳ ዙዋይ ዱግዳ ብኣካል በጺሖም ነቲ ኩነታት ተዓዚቦም። ሕቡራት መንግስታት ክሕግዝ እዩ ክብሉ ቃል ኣቲዮም ኣለው።

ኣብ ኢትዮጵያ ብደርቂ ንዝተጠቕዑ ዘድሊ ህጹጽ ሓገዝ ክኸውን ኣለዎ ዝብሃል ዘሎ ፓርላማ ኢትዮጵያ ነዚ ዝውዕል 14 ቢሊዮን ብር ምምዳቡ ምስ ገለጸ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት እዩ።ብዛዕባ እዚ ካብ መንግስቲ መብርሂ ንምርካብ ዝተካየደ ጻዕሪ ኣይሰለጠን ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG