ሓጺር ናይ ፈይስቡክ ጸብጻብ ኣብ ጉዳይ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ https://t.co/27XRQKsiZY #Eritrea #Ethiopia #VOATigrigna… https://t.co/rv5C6BSCcW
— VOA Tigrigna (@VOATigrigna) 8.11.2016
ሓጺር ናይ ፈይስቡክ ጸብጻብ ኣብ ጉዳይ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ https://t.co/27XRQKsiZY #Eritrea #Ethiopia #VOATigrigna… https://t.co/QRVCchmbvu
— VOA Tigrigna (@VOATigrigna) 8.11.2016
- By ዊንታ ኪዳነ
ዛጊት ካብ ዝተኣከበ ድምጺ ዶናልድ ትራምፕ ይመርሑ ኣለው
ክሳብ ሕጂ ተኣኪቡ ብዘሎ ድምጺ ሕጹይ ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ክፍላተ ግዝኣታት ኢንድያና ወስት ቨርጂን ያን ከንታኪን ተዓዊቶም ኣለው።
ሕጽይቲ ሰልፊ ደሞክራት ዝኾና ሂላሪ ክሊንተን ድማ ኣብ ክፍላተ ግዝኣት ቨርሞት ተዓዊተን ይርከባ።
በዚ ድማ ዶናልድ ትራምፕ ካብቲ ዘድሊ 270 ድምጺ 24 ኣውሒሶም ኣለው። ሂላሪ ክሊንተን ድማ 3 ድምጺ ረኺበን ኣለዋ።
ኣብ ቀጻሊ ንውጺኢት ድምጺ ክፍላተ ግዝኣታት ፐንስልቫንያ ኒው ሃምፕሸርን ፍሎሪዳን ከነስዕበልኩም ኢና።
- By ዊንታ ኪዳነ
መሪሕነት ዶናልድ ዶናልድ ብ ናይ ሂላሪ ክሊንተን ተተኪኡ ኣሎ። ሄላሪ ክሊንተን ኣብ ኢሊኖይ: ሮድ ኣይላንድ: ደላወር: ማሳቹስተስ: መሪላንድ: ዲሲ: ኒው ጀርሲ ተዓዊተን ኣለዋ። በዚ ድማ ዛጊት 75 ድምጺ ረኺበን ኣለዋ።
ብኻልእወገን ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሚሲሲፒ ሚዙሪን ሳውዝ ካሮላይናን ብምዕዋት ድምር ውጽኢት ነጥቦም ናብ 67 ክብ ኣቢሎም ይርከቡ።