- By ዊንታ ኪዳነ
ሄላሪ ክሊንተን ኣብ ኢሊኖይ፥ ሮድ ኣይላንድ፥ ደላወር፥ ማሳቹስተስ፥ መሪላንድ፥ ዲሲ፥ ኒው ጀርሲ ተዓዊተን ኣለዋ።
ብኻልእወገን ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሚሲሲፒ ሚዙሪን ሳውዝ ካሮላይና ተነሲን ኣላባማንተዓዊቶም ይርከቡ።
ዛጊት ዶንልድ ትራምፕ 169 ድምጺ ሄላሪ ክሊንተን ድማ 109 ረኺቦም ኣለው።
- By ዊንታ ኪዳነ
ኣቦ መንበር ጎስጓስ ምርጫ ሕጽይቲ ሰልፊ ደሞክራት ሂላሪ ክሊንተን ዝኾነ ጆን ፖደስታ ሂላሪ ክሊንተን ንውጽኢት ብዝምልከት ወግዓዊ መደረ ሎሚ ከምዘይህባ ኣፍሊጦም።
ንሶም ነዚ ዘፍለጡ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ገለ ክፍላተ ግዝኣታት ከይተሓበረ እንከሎ ካብ ኒውዮርክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መግለጺ እዩ።
- By ዊንታ ኪዳነ
ዶናልድ ትራምፕ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኮይኖም ተዓዊቶም
ሪፖብሊካዊ ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕ ንዝቕጽላ ኣርባዕተ ዓመታት ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኖም ተመሪጾም።
እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ፍሉይ ካብ ዝኾነሉ ረቛሒታት ዕውት ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ፖለቲካ ኾነ መንግስታዊ ስርሓት ተመክሮ ዘይነበሮም ምዃኖም'ዩ።
ኣብ መስርሕ ምርጫ መብዛሕትኤን መርገጺአን ኣካታዒ ኮይኑ ዝጸንሓ ክፍላተ ግዝኣታት ኣመሪካ ድምጸን ናብ ዶናልድ ትራምፕ ምሃበን ነዚ ምርጫ ካልኣይ ፍሉይ ዝገበሮ ነገር ኮይኑ ተጠቒሱ ኣሎ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከበ ቀንዲ መደበር ጎስጓስ ምርጫኦም ተረኺቦም መደረ ዓወት ዘስምዑ ክኾኑ ከለው፤ ኣብ መደረኦም ሕጽይቲ ዲሞክራቲክ ሂላሪ ክሊንተን ብቴሌፌን ናይ ሓጎስ መልእኽቲ ከምዝተቀበሉ ገሊጾም።
ንህዝቢ ኣሜሪካ ድማ ብሓባር ክሰርሑ ጸዊዖም።