ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዛዕባ ምርጫ ኣመሪካ 2016

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ትርኸብ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ኣብ መንጎ ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ 2016 እንዳጸበብ ምኻዱ መርኣያ’ያ።

ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ሄላሪ ክሊንተንን ዶናልድ ትራምፕን ኣብ ናይ መወዳእታ ሰሙን ቅንያት ምርጫ ዝለዓለ ድምጺ ንምርካብ ካብን ናብን ኩሉ ኩርናዓት ኣመሪካ እናተንቀሳቐሱ ሓያል ጎስጓስ የካይዱ ኣለው።

ሰልፊ ንምርጫ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ተክሳስ

ጎስጓስ ሕጹያት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ 2016 ሂላሪ ክሊንተንን ዶናልድ ትራምፕን አገደስቲ ክፍለ ግዝአታት ኣብ ዝበልወን ብመስቀላዊ መንገዲ ክንቐሳቐስ ይረአይ ኣሎ።

ብመሰረት ሓድሽ ዝወጸ ኣሃዛዊ መዓቀኒ ርእይቶ ህዝቢ ብዙሓት ወሃቢት ድምጺ ብዘመተ ምርጫ ክልቲኦም ሕጹያት ተወዳደርቲ ዘይሕጉሳት ምዃኖም እንተገለጹ ብዝሒ ዘለዎም ሰባት አቐዲሞም ናብ መምረጺ ኑቕጣታት ካብ ምኻድ ግን ኣይዓገቶምን።

እዚ ሓድሽ ሪፖርት ኣስታት 80 ሚእታዊት ካብ መጽናዕቲ ዝተኻየደሎም ሰባት ብዘመተ ጎስጓስ ሕጹያት ከምዘይተሓጎሱ እንተገለጹ ኣስታት 36.4 ሚሊዮን ኣሜሪካዊያን ግን ክሳብ ሕጂ ድምጾም ሂቦም ኣለው።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG