- By ዊንታ ኪዳነ
ሕጽይቲ ሰልፊ ደሞክራት ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ምርጫ ፕረዚደንትነት እንተተዓዊተን ኣብ ኣመሪካ "ቅዋማዊ ቅልውላው" ከምዝስዕብ ሕጹይ ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ዶናልድ ትራምፕ ኣጠንቂቖም።
- By ዊንታ ኪዳነ
ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ዕለተ ምርጫ ይኹን ቅድመ ምርጫ ፕረዚደንት ኣመሪካ ንተኽእሎ ውዲት መጥቃዕቲ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ይከታተሉ ከምዘለው ተፈሊጡ። ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ስለያ ኣመሪካ ምክትታል ተነቢሩለን ዘለዋ ግዝኣታት ኣመሪካ ሰለስተ ክኾና እንከለዋ፤ ንሳተን ድማ ክፍለ ግዝኣታት ኒውዮርክ ቪርጂን ያንን ፔንሲልቫን ያን ምዃነን ድማ ተጠቒሱ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ http://bit.ly/2el7AAA ይርከብ።
- By ዊንታ ኪዳነ
ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ሻርሎት ኖርዝ ካሮላይና ሰፊሕ መርኣያ ደገፍ ንሂላሪ ክሊንተንን ናይ ኣድምጹ ጎስጓስ ኣካይዶም።
ሰልፊ ደሞክራት ምስ ናይ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ክወዳደር እንከሎ ዝተራእየ ትሕት ዝበለ ምዝጉባት ቁጽሪ ኣድመጽቲ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ሻቕሎት ከምዝፈጠረሉዩ ተገሊጹ።
ዳግማይ ጎስጓስ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ድማ ነዚ ትሕት ዝበለ ቁጽሪ ኣድመጽቲ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ንምብርባር ዝዓለመ ምዃኑ'ዩ ተሓቢሩ።
ዛዕባ ምርጫ ኣመሪካ 2016 https://t.co/27XRQKsiZY #Eritrea #Ethiopia #USElections2016 #USElection https://t.co/lu80OzQkPC
— VOA Tigrigna (@VOATigrigna) 5.11.2016