ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዛዕባ ምርጫ ኣመሪካ 2016

ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለየ ምብራቓዊ ከባቢታት ኣሜሪካ ጀሚሩ።ኣሜሪካዊያን ሎሚ ዝቕጽል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ንምምራጽ ድምጾም ይህቡ ኣለው።

ኣብ ብዙሕ መምራጺ ኑቕጣታት ካብ ሰዓታት ንግሆ ጀሚሩ ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ድምጾም ክህቡ ተሰሪዖም ተራእዮም እዮም።

ሕጽይቲ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ኒውዮርክ ምስ በዓል ቤተን ፕረዝደንት ነበር ቢል ክሊንተን ድምጸን ሂበን ኣለዋ።ንሰን ኣብቲ ህሞት ነቲ ምርጫ ፈታኒ እዩ ኔሩ እዚ ምርጫ ከቢድ ሓላፍነት ዘለዎ እዩ ኢለን።ሕጹይ ምኽትል ፕረዝደንት ዲሞክራቲክ ፓርቲ ቴም ኬይን እውን ኣብ ሪችሞንድ ቨርጂንያ ድምጾም ሂቦም ኣለው።

ሕጹይ ሪፖብሊካን ፓርቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኒው ዮርክ ድምጾም ክህቡ ተስፋ ተጌሩ’ሎ። ዶናልድ ትራምፕ መዓልቲ ናጽነት እያ ክብሉ ነዚ መዓልቲ ገሊጾሞ ኣለው።ንሶም ምስ ፎክስ ኔውስ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ቴሌፎን ቃለ ምልልስ ብጣዕሚ ዘገርም መስርሕ እዩ ክብሉ ነዚ ምርጫ ገሊጾሞ’ሎ።

ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ሎሚ ንኣሜሪካ ዳግማይ ዓባይ ክንገብራ ኢና ኢሎም ኣለው።

ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ቀሪቡ ዘሎ ሕጹይ ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ጥቓ መንበሪኡ ድምጺ ሂቦም ኣለው።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ኣጋጣሚ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኩሉ ነገር ሰናይ ክኸውን እዩ ክብሉ ካብቲ ምርጫ ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዝጽበዩ ገሊጾም።

ኣብዚ ናይ ሎምዘበን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ሓደ ካብ ብፍሉይ ዝተጠቕሰ ነገር እንተነይሩ: ዶናልድ ትራምፕ ኣብ እዋን ናይ ክርክር መደብ ምስ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ዝገጠሙሉ: ንውጽኢት ናይ ምርጫ ትቕበሉ ዲኹም ተባሂሎም ኣብ ዝተሓተቱሉ ግዜ ዝሃብዎ መልሲዩ።

ንሶም ንሓታቲ ሕጂ ኣይነግረጋን'የ " ኣብ ጠልጠልየ ክገድፈካ" ክብሉ ምምላሶም ይዝከር።

ዶናልድ ትራምፕ ጁንየር
ዶናልድ ትራምፕ ጁንየር

እዚ ድማ ንሓያሎ ተንተንቲ ፖለቲካ 'ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምርጫ እንተዘይተዓዊቶም እሞ ንውጽኢት ምርጫ እንተዘይተቐበልዎ እንታይ ክፍጠርዩ?' ዝብል ሕቶ ቅጅል ከምዝብልን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ድማ ርሱን ክትዕ ፈጢሩ ከዘራርብዩ ጸኒሑ።

ይኹንምበር: ሎሚ ንግሆ ዶናልድ ትራምፕ ጁን የር ዝተባህለ ዓቢ ወዶም ንዶናልድ ትራምፕ ኣብ መደበር ተለቪዥን ሲኤንኤን ቀሪቡ ንውጽኢት ምርጫ ክንቅበሎ ኢና ምባሉ ንሓያሎ ካብ ሻቕሎት ዘህደአ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

ውጽኢት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ዝግለጽ ኣብ ኩለን እተን 50 ክፍለ ግዝኣታትን ከተማ ዋሽንግተንን ዘለዋ መምረጺ ኑቕጣታት ድሕሪ ምዕጻዋን ከባቢ ሰዓት 8 ምሸት ብኣቆጻጽራ ሰዓት ዋሽንግተን ዲሲ’ዩ። ኣብ ምዕራባዊን ማእከላይ ከባቢ ዘለዋ ክፍለ ግዝአታት ኣቐዲመን ነቲ ድምጺ ምሃብ መስርሕ ክውድኣ እየን እዘን ክፍለ ግዝአታት ድማ 538 ካብቲ ድምጺ ተወኸልቲ ህዝቢ ይሕዛ።

እቲ ፕረዝደንቲ ኣሜሪካ ኮይኑ/ና ዝምረጽ ሕጹይ ወይ ሕጽይቲ ብድምጺ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ብድምጺ ተወኸልቲ ህዝቢ እዩ ዝውሰን ንምዕዋት ድማ 270 ድምጽታት የድልይ። ገለ ክፍለ ግዝኣታት ካብ ነዊሕ ድምጸን ንሕጹይ ዲሞክራት ወይ ንሕጹይ ሪፖብሊካን ከምዝህባ ካብ ታሪኽ ይፍለጣ። ገለ ድማ በብእዋኑ ድምጸን ይፈላለይ።

ብመሰረት ናይ ሎሚ ዓመት ኣሃዛዊ መዓቐኒ ርእይቶ ህዝቢ እተን ድምጸን ካብ ዝጸንሓ ክቕይራ ይኽእላ እየን ዝበሃላ ክፍለግዝኣታት ኣይዋ፡ሚሽጋን፡ኖርዝ ካሮላይና፡ፔንስልቫንያ፡ፍሎሪዳ፡ኒው ሃምሸር፡ኔቫዳ፡ኦሃዮ፡ኮሎራዶ ዊስኮንሲንን ቨርጂንያ እየን።

እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ፍሉይ ዝገብሮ ሪፖብሊካን ይስዓሩ ዲሞክራት ታሪኻዊ እዩ ምኽንያቱ ሂላሪ እንተስዒረን ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኽኾና እየን።ትራምፕ እንተሲዕሮም ድማ ቀዳማይ ድሕረ ባይትኦም ኣብ ፖለቲካ ዘይኾነ ዕውት ፕረዝደንት ኽኸውን እዩ ማለት እዩ።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG