ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዛዕባ ምርጫ ኣመሪካ 2016

ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ኣብ ዝኻየደሉ መዓልቲ መን ነቲ ምርጫ ይስዕር ይኸውን ብዝብል ዝተፈላለዩ አሃዛትን ክቐርቡ ይውዕል።

ገለ ብሳይንሳዊ አገባብ አሃዛዊ መዓቐኒ ርእይቶ ህዝቢ ንምጥቓም ኽሕብሩ ኸለው ካልኦት ድማ ዘይልሙድን ዘይሳይንሳዊን አገባብ ከምዝጥቐሙ ይገልጹ።

ኣብ ፕረዝደንታዊ ምርጫ 2012 ዓ.ም ንውጽኢት ምርጫ ኣብ 50 ክፍለ-ግዝኣታት ዝተንበዩ ኔት ሲልቨር ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ሂላሪ ክሊንተን ክትዕወታ 71.4 ሚእታዊት ዕድል ኣሎ ይብሉ።

ኣላን ሊችማ ዝተባህሉ ፕሮፌሰር ታሪኽ ኣብ ኣሜሪካን ዩኒቨርሲቲ ድማ ካብ 1984 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ትንበያ ውጽኢት ምርጫ ዘይተጋገዩ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ዶናልድ ትራምፕ ክዕወቱ እዮም ክብሉ ተንብዮም ኣለው።

ውጽኢት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ዝግለጽ ኣብ ኩለን እተን 50 ክፍለ ግዝኣታትን ከተማ ዋሽንግተንን ዘለዋ መምረጺ ኑቕጣታት ድሕሪ ምዕጻዋን ከባቢ ሰዓት 8 ምሸት ብኣቆጻጽራ ሰዓት ዋሽንግተን ዲሲ’ዩ። ኣብ ምዕራባዊን ማእከላይ ከባቢ ዘለዋ ክፍለ ግዝአታት ኣቐዲመን ነቲ ድምጺ ምሃብ መስርሕ ክውድኣ እየን እዘን ክፍለ ግዝአታት ድማ 538 ካብቲ ድምጺ ተወኸልቲ ህዝቢ ይሕዛ።

እቲ ፕረዝደንቲ ኣሜሪካ ኮይኑ/ና ዝምረጽ ሕጹይ ወይ ሕጽይቲ ብድምጺ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ብድምጺ ተወኸልቲ ህዝቢ እዩ ዝውሰን ንምዕዋት ድማ 270 ድምጽታት የድልይ። ገለ ክፍለ ግዝኣታት ካብ ነዊሕ ድምጸን ንሕጹይ ዲሞክራት ወይ ንሕጹይ ሪፖብሊካን ከምዝህባ ካብ ታሪኽ ይፍለጣ። ገለ ድማ በብእዋኑ ድምጸን ይፈላለይ።

ብመሰረት ናይ ሎሚ ዓመት ኣሃዛዊ መዓቐኒ ርእይቶ ህዝቢ እተን ድምጸን ካብ ዝጸንሓ ክቕይራ ይኽእላ እየን ዝበሃላ ክፍለግዝኣታት ኣይዋ፡ሚሽጋን፡ኖርዝ ካሮላይና፡ፔንስልቫንያ፡ፍሎሪዳ፡ኒው ሃምሸር፡ኔቫዳ፡ኦሃዮ፡ኮሎራዶ ዊስኮንሲንን ቨርጂንያ እየን።

እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ፍሉይ ዝገብሮ ሪፖብሊካን ይስዓሩ ዲሞክራት ታሪኻዊ እዩ ምኽንያቱ ሂላሪ እንተስዒረን ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኽኾና እየን።ትራምፕ እንተሲዕሮም ድማ ቀዳማይ ድሕረ ባይትኦም ኣብ ፖለቲካ ዘይኾነ ዕውት ፕረዝደንት ኽኸውን እዩ ማለት እዩ።

ኣብዚ ናይ ሎምዘበን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ሓደ ካብ ብፍሉይ ዝተጠቕሰ ነገር እንተነይሩ: ዶናልድ ትራምፕ ኣብ እዋን ናይ ክርክር መደብ ምስ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ዝገጠሙሉ: ንውጽኢት ናይ ምርጫ ትቕበሉ ዲኹም ተባሂሎም ኣብ ዝተሓተቱሉ ግዜ ዝሃብዎ መልሲዩ።

ንሶም ንሓታቲ ሕጂ ኣይነግረጋን'የ " ኣብ ጠልጠልየ ክገድፈካ" ክብሉ ምምላሶም ይዝከር።

ዶናልድ ትራምፕ ጁንየር
ዶናልድ ትራምፕ ጁንየር

እዚ ድማ ንሓያሎ ተንተንቲ ፖለቲካ 'ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምርጫ እንተዘይተዓዊቶም እሞ ንውጽኢት ምርጫ እንተዘይተቐበልዎ እንታይ ክፍጠርዩ?' ዝብል ሕቶ ቅጅል ከምዝብልን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ድማ ርሱን ክትዕ ፈጢሩ ከዘራርብዩ ጸኒሑ።

ይኹንምበር: ሎሚ ንግሆ ዶናልድ ትራምፕ ጁን የር ዝተባህለ ዓቢ ወዶም ንዶናልድ ትራምፕ ኣብ መደበር ተለቪዥን ሲኤንኤን ቀሪቡ ንውጽኢት ምርጫ ክንቅበሎ ኢና ምባሉ ንሓያሎ ካብ ሻቕሎት ዘህደአ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ቀሪቡ ዘሎ ሕጹይ ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ጥቓ መንበሪኡ ድምጺ ሂቦም ኣለው።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ኣጋጣሚ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኩሉ ነገር ሰናይ ክኸውን እዩ ክብሉ ካብቲ ምርጫ ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዝጽበዩ ገሊጾም።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG