- By ዊንታ ኪዳነ
ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለየ ምብራቓዊ ከባቢታት ኣሜሪካ ጀሚሩ።ኣሜሪካዊያን ሎሚ ዝቕጽል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ንምምራጽ ድምጾም ይህቡ ኣለው።
ኣብ ብዙሕ መምራጺ ኑቕጣታት ካብ ሰዓታት ንግሆ ጀሚሩ ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ድምጾም ክህቡ ተሰሪዖም ተራእዮም እዮም።
ሕጽይቲ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ኒውዮርክ ምስ በዓል ቤተን ፕረዝደንት ነበር ቢል ክሊንተን ድምጸን ሂበን ኣለዋ።ንሰን ኣብቲ ህሞት ነቲ ምርጫ ፈታኒ እዩ ኔሩ እዚ ምርጫ ከቢድ ሓላፍነት ዘለዎ እዩ ኢለን።ሕጹይ ምኽትል ፕረዝደንት ዲሞክራቲክ ፓርቲ ቴም ኬይን እውን ኣብ ሪችሞንድ ቨርጂንያ ድምጾም ሂቦም ኣለው።
ሕጹይ ሪፖብሊካን ፓርቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኒው ዮርክ ድምጾም ክህቡ ተስፋ ተጌሩ’ሎ። ዶናልድ ትራምፕ መዓልቲ ናጽነት እያ ክብሉ ነዚ መዓልቲ ገሊጾሞ ኣለው።ንሶም ምስ ፎክስ ኔውስ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ቴሌፎን ቃለ ምልልስ ብጣዕሚ ዘገርም መስርሕ እዩ ክብሉ ነዚ ምርጫ ገሊጾሞ’ሎ።
ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ሎሚ ንኣሜሪካ ዳግማይ ዓባይ ክንገብራ ኢና ኢሎም ኣለው።
- By ዊንታ ኪዳነ
ዕለተ ምርጫ ብቓላት ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ
ሂላሪ ክሊንተን :- "እዛ ዕለትዚኣ ናይ ግዜና ፈተናያ። " ዶናልድ ትራምፕ:- "እዛ ዕለትዚኣ መዓልቲ ናጽነትናያ።"
- By ዊንታ ኪዳነ
ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኒውዮርክ ቻፓጉዋ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ምስ በዓል ቤተን ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተን ኣድሚጸን።
ንሰን ድሕሪ ምድማጸን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝ ሃብኦ ቃል ሓያሎ ሰባት ካብዚ ምርጫ ብፍላይ ንኣገዳስነቱ ብምዝምልከት ብዙሕ ከምዝጽበዩ ብምጥቃስ ንሰን ድማ ኣብዚ ምርጫ እንተተዓዊተን ኩሉ ዝከኣለን ዘበለ ከምዝገብራ ገሊጸን።
ዛዕባ ምርጫ ኣመሪካ 2016 - https://t.co/27XRQKsiZY #Eritrea #Ethiopia #VOATigrigna https://t.co/5Y0Pd3Hd2G
— VOA Tigrigna (@VOATigrigna) 8.11.2016