- By ዊንታ ኪዳነ
ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ኣብ ዝተፈላለየ ምብራቓዊ ከባቢታት ኣመሪካ ተጀሚሩ
ድሮ ሕጹይ ምክትል ፕረዚደንት ሂላሪ ክሊንተን ዝኾነ ሰነተር ክሊንተን ኣብ ሪችሞንድ ቪርጂን ያ ድምጹ ሂቡሎ።
ዲክስቪል ኖች ዝተባህለት ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሂው ሃምሸር ትርከብ ቁሸት ንፈለማ መስርሕ ምድማጽ ኣብ ምርጫ ዝተኻየደላ ኮይና ተገሊጻላ።
ሒደት ኣባላት ምርጫ ንምጅማር እቲ መስርሕ ንምግላጽ ኣብ ቅድሚ ማዕከናት ዜና ልክዕ ፍርቂ ለይቲ ድምጺ ከምዝሃቡ ድማ ተፈሊጡ።
- By ዊንታ ኪዳነ
ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ናይ መወዳእታ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ኣካይዶም
ሂላሪ ክሊንተን ሕጽይቲ ሰልፊ ደሞክራት ብኸበድቲ ሚዛን ደገፍታ ከም ፕረዚደንት ባራክ ኦባማን በዓልቲ ቤቶም ሚሸል ኦባማን ከምኡውን በዓል ቤተን ቢል ክሊንተንን ስሙያት ሙዚቀኛታት ከም ጆን ቦን ጆቪን ብሩስ ስፕሪንግስተንን ተሰንየን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ደገፍተን ኣብ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ከተማ ፊላደልፊያ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ኣካየደን።
ብተመሳሳሊ ቀንዲ ተቐናቓኒአን ሕጹይ ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ዶናልድ ትራምፕ ድማ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ክፍላተ ግዝኣታት ፍሎሪዳ: ሚሽጋን: ፐንስልቫንያ: ኒውሃምፕሸርን ኖርዝ ካሮላይናን ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ኣካይዶም።
- By ዊንታ ኪዳነ
ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ካብ ተወዳደርቲ ሕጹያት መን ክዕወትዩ ትብሉ?
ዶናልድ ትራምፕ ዶ ሂላሪ ክሊንተን ?
መልስኹም ኣብ መውሃቢ ርህይቶ ብምጽሓፍ ግምትኩም ከተስፍሩ ትኽእሉ ኢኹም።
- By ዊንታ ኪዳነ
ጽባሕ ሶሉስ ኣሜሪካዊያን መጻኢ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ንምምራጽ ናብ መምረጺ ኑቕጣታት ብምኻድ ድምጾም ክህቡ'ዮም። እንተኾነ ግን ብዙሓት እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ተዓዋቲ ብዘይየገድስ ነቲ ዝሓለፈ ኣሰርተ ዓመታት ኣብታ ሃገር ክረአ ዝጸንሓ ክፍተት ፖለቲካ ብግልጺ ዘርእይ ፍሉይ ምልክት ዝገድፍ ምርጫ እዩ ክብሉ ርእይቶኦም ይህቡ ኣለው።
ብተወሳኺ ብዙሓት ሰብ ሞያ እዚ ክፍተትን ክፍፍልን ድሕሪ ዕውት ምፍላጥ’ውን ዝቕጽል ምኻኑ ይሕብሩ።
ኣብዚ ናይ መወዳእታ ሰዓታት ምርጫ ሕጹያት ተወዳደርቲ ክሊንተንን ትራምን ጽዑቕ ጎስጓስ ከኻይዱ ይረአዩ።
ዶናልድ ትራምፕ ጎስጓሶም ኣብ ክፍለ ግዝአት ፍሎሪዳ ከተኹሩ ኸለው ሕጽይቲ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ሂላሪ ክሊንተን ድማ ንፕረዝደንት ነበር በዓል ቤተን ቢል ክሊንተንን ፕረዝደንት ኦባማ ብምሓዝ ጎስጓሰን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፔንስልቫንያን ሚሽጋንን የኻይዳ ኣለዋ።ሂላሪ ክሊንተን ድማ ብልምዲ ደገፍቲ ሪፖብሊካን ፓርቲ ምኳኖም ኣብ ዝነገረሉ ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና ጎስጓስ የኻይዳ ኣለዋ።