- By ዊንታ ኪዳነ
ዳግማይ መርመራ FBI ኣብ ጉዳይ ኢመይል ሂላሪ ክሊንተን ውጽኢት ኣይተረኽበሉን
ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ፈደራል መርመራ ኣመሪካ ማለት ኤፍ ቢ ኣይ FBI ጀምስ ኮሚ ኣብ ልዕሊ ካብን ናብን ሂላሪ ክሊንተን ዝተላእከ ናይ ኢመይል መልእኽታት ከካይዶ ዝጸንሐ ዳግማይ መርመራ ዝኾነ ብገበን ከሕትት ዝኽእል ውጽኢት ከምዘይረኸበሉ ኣፍሊጡ።
ዳይረክተር ኤፍ ቢ ኣይ FBI ጀምስ ኮሚ ነዚ ዘፍለጠ ትማሊ ሰንበት 6 ሕዳር ናብ ኣባላት ባይቶ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ’ዩ።
እቲ መርመራ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ሰልፊ ደሞክራት ሂላሪ ክሊንተን: ጸሓፊት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኮይነን ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበራ ግዜ ክኸውን ዘይነበሮ ንናይ መንግስታዊ ስራሕ ናይ ውልቂ መአከቢ ሓበሬታ ሰርቨር ብምጥቃመን ዝተበገሰ’ዩ።
FBI ነዚ ኣዝዩ ህልኽ ብዝመልኦ ኣገባብ ተወዓዊዑ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሎም ዘበን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ክዛዘም 11 መዓልቲ ኣብ ዝተረፈሉ ካብን ናብን ሂላሪ ክሊንተን ዝተላእከ ሓድሽ ኢመይላት ብምርካቡ ዳግማይ ነቲ መርመራ ምጅማሩ’ዩ ኣፍሊጡ።
እዚ ድማ ንጉዳይ ምርጫን መረጽትን ኣብ ዘይተሓስበ ሓድሽ ናይ ዘይምርግጋእ ክስተት ክኣትው ደሪኽዎምዩ። ብፍላይ ካብ ሂላሪ ክሊንተንን ንሳ እትመርሖም ደገፍታን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ተንተንትን ኣብ ልዕሊ ዳይረክተር FBI ጀምስ ኮሚ ነዚ ኩነታት ብምፍጣሩ ተሪር ወቐሳ ክቐርብ ጸኒሑዩ።
ካልኦት ካብዚ ዝተፈልየ ኣረኣእያ ዝነበሮም ድማ እቲ ኩነታት ግቡእ ምዃኑ ብምጥቃስ: ብፍላይ ነቲ ብዶናልድ ትራምፕ ዝምራሕ ጎስጓስ ምርጫ ዘይተጸበይዎ ሓድሽ ትንፋስ ዝሰዂዐ: ዳርጋ ካብ ሰማይ ዝወረደ ማና ጌሮም ዝገለጽዎ ውሑዳት ኣይነበሩን።
ከም ውጽኢቱ: ኣሃዛት መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ ጋግ መሪሕነት ሂላሪ ክሊንተን ክንኪ በንጻሩ ናብ ዶናልድ ትራምፕ ዝዛዘወ ሓድሽ ብራኸ ክቀላቐሉ ኣኽኢልዎምዩ።
ብሓፈሻ ክርአ ከሎ፤ FBI ንካልኣይ ግዜ ምስ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ዝተተሓሓዘ ናይ ኢመይል መርመራይ ብገበን ከሕትት ዝኽእል ውጽኢት ኣይረኸብኩን ዝበለ ክኸውን እንከሎ፤ በዚ ዝተበጽሐ ውሳነ ዶናልድ ትራምፕ ሕጉስ ዘይምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
ኣባላት ሰልፊ ጎስጓስ ሂላሪ ክሊንተን ብወገኖም ካብ ፈለማኡውን እንተኾነ FBI ኣብዚ ውሳነ ከምዝበጽሕ እምንቶ ነይሩና ክብሉ ገሊጾም ኣለው።
ካብ ዜናታት ምርጫ ውጽእ ኣብ ዝበለ ተርእዮ ውሳነ FBI ንኩነታት ፊናንስያውን መሸጣ ንግዲ ዓለምን ብኣወንታ ጸልይዎሎ።
ጸብጻባት ከምዝሓበርዎ ድሮ ዳው ጆነስ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘካይዶ መሸጣ ብ 200 ነጥቢ ደይቡ ኣብ ዕዳጋ ክ ውዕል ምዃኑ ምንጪ ኣሶስየትድ ፕረስ ሓቢሩ። ኣብ ኤሽያውን ብተመሳሳሊ ናይ ጃፓን ኒከይ ብ 1.6% : ናይ ኣውስትራልያ S&P ASX/200 ብ 1.3% ክብ ምባሉ ተገሊጹ ኣሎ።
- By ዊንታ ኪዳነ
ሂላሪ ክሊንተንን ዶናልድ ትራምፕን ብኣሃዛት መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ
ጥምጥም ኣብ ሞንጎ ቀንዲ ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ዝኾኑ ሂላሪ ክሊንተንን ዶናልድ ትራምፕን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑሉ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ኣሃዛት መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ ሂላሪ ክሊንተን ብኣዝዩ ውሑድ ነጥቢ ትመርሕ ምህላዋ የመልክቱ።
ብመሰረት ብመገዲ ዋሺንግንተን ፖስትን ኤቢሲ ትራኪንግን (Washington Post-ABC Tracking Poll) ዝተኻየደ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ ክሳብ ሎሚ ሰንበት ሽዱሽተ ሕዳር ኣብ እዋን ወጋሕታ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ናይ ሓሙሽተ ሚእታዊት መሪሕነት ከምዘለዋ ገሊጾም።
እዚ ኣሃዝ እዚ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣርባዕተ ሕዳር ብተመሳሳሊ ናይ ዋሺንግንተን ፖስትን - ኤቢሲ ትራኪንግን (Washington Post-ABC Tracking Poll) ዝተኻየደ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ ናይ ሰለስተ ሚእታዊት ማለት ናይ 47% ብ 44% መሪሕነት ሂላሪ ክሊንተን እዩ ኣመዝጊቡ ነይሩ።
ብመገዲ ሪል ክሊሪ ፖለቲክስ (RealClear Politics) ዝተኻየደ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ ድማ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ናይ 46.6% ብ 44.8% ክልተ ሚእታዊት መሪሕነት ከምዘለዋ የረድእ።
ንተወሳኺ ሙሉእ ሓበሬታ ኣብ http://bit.ly/2fFGz0s ምውካስ ይከኣል።