ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዛዕባ ምርጫ ኣመሪካ 2016

ሰሉስ ሾሞንተ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ቅድሚ ምእታው ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ናይ ቅድመ ምርጫ ምውሃብ ድምጺ ድሮ ሚልዮን ኣመሪካውያን ድምጾም ሂቦም። እዚ ድማ ንተንተንቲ ፖለቲካን ምርጫን ኣንፈት ውጽኢት ምርጫ ክህቦም ከምዝኸኣለ ይሕበር ኣሎ።

ዝመጽእ ሰሉስ ሾሞንተ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ዋላኳ ፖሊሲ ቁጠባን ጉዳያት ወጻእን ሕጹያት ተወዳደርቲ ኣገደስቲ ረቛሒ መምረጺ ነጥቢ ኮይኑ እንተቐረበ ጸብጻባት ይሕብርዎ ከምዘለው ዘንጸባርቕዎ ውልቃዊ ባህርያቶም እውን ንውጽኢት ድምጺ ምርጫ ከይጸለወ ከምዘይተርፍ ይሕበር ኣሎ።

ህቡባት ድምጻውያን ቅዲ ሙዚቃ ሂፕ ሆፕ ዝኾኑ ጀይ ዚን በዓልቲ ቤቱ ቢዮንሰን ኣብ ክሊቭላንድ ኦሃዮ ናይ ኣድምጹን ደገፍ ንሂላሪ ክሊንተን ዝተሓወሶ ሙዚቃዊ ትልሂት ኣካይዶም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ሕጽይቲ ሰለፊ ደሞክራት ሂላሪ ክሊንተን ተረኺበን ነይረን።

ቢዮንሰ "ጓለይ - ጓልኣንስተይቲ መራሒት እዛ ሃገር እናረኣየት ክትዓብን ክትበጽሖ ንእትደሊ ኩሉ ነገር ድማ ክትበጽሖ ከምእትኽእልን ገደብ ከምዘይብላን ፈሊጣ ክትዓቢ እደሊ " ኢላ።

በዓል ቤታ ጃይ ዚ ብወገኑ "ቃላት ሕጹይ ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ገማማዒዩ" ኢሉ። በዚ ድማ ዩ "መራሒና ክኸውን ዘይክእል" ክብል ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ሻርሎት ኖርዝ ካሮላይና ሰፊሕ መርኣያ ደገፍ ንሂላሪ ክሊንተንን ናይ ኣድምጹ ጎስጓስ ኣካይዶም።

ሰልፊ ደሞክራት ምስ ናይ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ክወዳደር እንከሎ ዝተራእየ ትሕት ዝበለ ምዝጉባት ቁጽሪ ኣድመጽቲ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ሻቕሎት ከምዝፈጠረሉዩ ተገሊጹ።

ዳግማይ ጎስጓስ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ድማ ነዚ ትሕት ዝበለ ቁጽሪ ኣድመጽቲ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ንምብርባር ዝዓለመ ምዃኑ'ዩ ተሓቢሩ።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG