ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መዓልቲ መሬት ኣብ መላእ ዓለም ተኸቢሩ’ወዒሉ


ምኽታም ስምምዕ ለውጢ ክሊማ ፓሪስ
ምኽታም ስምምዕ ለውጢ ክሊማ ፓሪስ

ሚያዝያ 22 መዓልቲ መሬት ተባሂሉ ዓመታዊ ዝክበር መዓልቲ ኾይኑ ሎሚ ዓመት ድማ ሓደ ቢልዮን ሰባት ብዝተፈላለዩ ንኣከባቢ ሓለዋን ክንክን ዘተባብዕ ንጥፈታት ተከቢሩ ምውዓሉ ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ መዓልቲ ብደረጃ ዓለም መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኒውዮርክ ብምርኻብ ንስምምዕ ክሊማ ፓሪስ ብምክታም ከክብርዎ’ዮም። ምክትል ፕረዝደንት እቲ መርበብ መዓልቲ መሬት ሱሳን ባዝ ተሓለቕቲ ኣከባቢ ነዚ መዓልቲ ኣብ ኣስታት 200 ሃገራት ከምዝኽብርዎ ሓቢረን ኣለዋ። ንሰን በተወሳኺ እዚ መዓልቲ ካብቲ መጀመርያ ዝተከብረሉ 1970 ዓ.ም.ፈ ብዙሕ ፍልልይ ከምዘለዎ ይሕብራ። መዓልቲ መሬት ድሕሪ ኣብ 1969 ኣብ ካሊፎርንያ ሳንታ ባርባራ ዘጋጠመ ምፍሳስ ነዳዲ ዘይቲ ብሓደ ሰነተር ኣሜሪካ ዝተጀመረ’ዩ።

ኣብ 1970 ይብላ ባዝ ብክለት ኣከባቢ ኣብ ኩሉ ይረአ ከም ዝነበረ እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ትኩረት ኣብ ለውጢ ክሊማ ሓደ ካብቲ ኣዘራራቢ ጉዳይ ኽከውን ክኢሉ’ዩ። ይኹን ደአ እንበር ገና ብዙሕ ዝተርፍ ከምዘሎ’ውን ኣይሓብኣን ሱዛን ባዝ።

ብካልእ ወገን ማሕበር ሓረስቶት ኦሮምያ ናይ 2016 ዓ.ም.ፈ ናይ ኢኮተርያል ኣዋርድስ ሽልማት ተዓዋቲ ኮይኑ’ሎ። እቲ ማህበር ነዚ ሽልማት ካብ ናይ ሕ/ሃ ናይ ምዕባለ ፕሮግራም (UNDP) እዩ ተቀቢሉ።

እቲ ማህበር ተዓዋቲ እዚ ሽልማት ምኳኑ ኣብቲ ዋዕላ ለውጢ ክሊማ ፓሪስ ዝተፈለጠ ኮይኑ እዚ ሽልማት ሎሚ ዝተዋህበሉ ብምክንያት ሎሚ ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ መሬት’ዩ።

እቲ ሽልማት ነቲ ማህበር ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኬንያ ዝተዋህበ ኮይኑ ነቲ ሽልማት ዝሃቡ ኣብ ተወካሊ ናይ ሕ/ሃ ናይ ምዕባለ ፕሮግራም ማይክል ባሊማ’ዮም። ንሶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ንስርሓት’ቲ ማህበር ብምምስጋን ከምዚ ኢሎም።

‘ብመጀመርታ ንኣዳለውትን ደገፍትን እዚ ተበግሶ እንኳዕ ሓጎሰኩም። እቲ ተዓዋቲ ማህበር መቦቆላዊን ባህላዊ ማህበረሰባት መሬቶምን ግዝኣቶምን ከመሓድሩ ምስ ዝጅምሩ እንታይ ከምዝኸአል ዘመስከረ ክኸውን ከሎ ብተወሳኺ መሰላት ምውናን መሬት ብመቦቀላዊ ማህበረሰብ ንክብጻሕ ዝድለይ ምዕባለ ኣገዳሲ ምኳኑ’ውን ዘርእይ’ዩ።’

ሚስተር ባሊማ ብተወሳኪ ኣብ መንጎ ሰሜን ኬንያን ደቡብ ኢትዮጵያን ንዘለዎ ሓረስቶት ንምሕጋዝ ናይ ሕ/ሃ ናይ ምዕባለ ፕሮግራም (UNDP) ልዕሊ 12 ዶላር ሚሊዮን ወጻኢ ምግባሩ ሓቢሮም ክብል ዳዊት ገልሞ ካብ ናይሮቢ ሓቢሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መዓልቲ መሬት ኣብ መላእ ዓለም ተኸቢሩ’ወዒሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:14 0:00

XS
SM
MD
LG