ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስመራ፡ ቤት-ትምህርቲ ዲያ ኣል ኢስላሚያ ናብ ንቡር ስርሓ ምምላሳ ተገሊጹ


ድሕሪ`ቲ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ እታ ከተማ ናብ ንቡር ከምዝተመልሰትን ቤት-ትምህርቲ ዲያ ኣል ኢስላሚያ `ውን ስርሓ ቀጺላ ከምዘላን ተገሊጹ።

ኣብያተ ትምህርቲ መድሃኒ ኣለም ካቴድራለ፡ እንዳማርያምን ዲያ-እስላሚያን ተዓጽየን ከምዘለዋ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፡ ወኪልና ብርሃነ በርሀ ናብ ድያ-እስላሚያን እንዳማርያምን ተዘዋዊሩ ከምዝርኣየን ተማሃሮ ትምህርቶም ክከታተሉ ከምዝተዓዘበን ሓቢሩ`ሎ።

ኩነታት ካቴድራል ከረጋግጽ ከምዘይከኣለ ዝተዛረበ ጋዜጠኛ ብርሃነ በርሀ፡ ብዛዕባ መበገሲ`ቲ ሰልፊ ካብ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ዛጊት ዝኾነ ሓበሬታ ክረክብ ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG