ሎሚ ኣብ ኣስመራ፡ ተማሃሮን ወለድን ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላምያ ኣብ ከባቢ ኣኽርያ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዝገበሩን ብፖሊስ ከምዝተበተኑን ዝተፈላለዩ ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ትግርኛ ይሕብሩ’ለው።
እቲ ሰልፊ መበገሲኡ :መንግስቲ ኣብ`ታ ቤትምህርቲ ናይ ስርዓተ ትምህርቲ ማለት ካሪክለም ምልውዋጥ ክገብር ብምፍታኑን፡እዚ ድማ ንእስላማዊ ትምህርቲ መንገዲ ዝዓጹ`ዩ ተባሂሉ ተቓውሞ ምልዓሉን እቶም ምንጭታት ይገልጹ።
ኣብ እዋን`ቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ተኹሲ ተሰሚዑ ዝብል ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ`ውን ኣሎ።
ኣቐድም ኣቢሉ ዝሓለፈ ሰሙን: ፕረዚደንት ቦርድ’ቲ ቤት ትምህርቲ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ከምዝተኣሰሩ ዓዋተ ኮም ዝተባህለ ናይ ተቓወምቲ መርበብ ሓበሬታ ጸብጺቡ ኔሩ።
ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ኣስመራ ተኹሲ ከምዝነበረ ሪፖርት ከምዝበጽሖ ብምግላጽ፡ ዜጋታት ኣሜሪካ፡ ካብ`ቲ ተቓውሞ ኔርዎ ዝመስል ከባብታት ማእከል ከተማ ክርሕቁ ንመክር ኢሉ`ሎ።
ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብገለ ሰባት ንዝተዘርግሐ ወረ ኣብ ምንጻግ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ ብሓደ ትምህርቲ ዝተገብረ ንእሽቶ ሰልፊ ብዘይ ዝኾነ ጉድኣት ከምዝተበተነ ገሊጹ`ሎ።
ሓዲሽ ሓበሬታ እንተሎ ተኸታቲልና ከነቕርበልኩም ኢና።