ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ'ቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ተቓውሞ ሓያለ ሰባት ይእሰሩ ምህላዎም ምንጭታት ሓቢሮም


ድሕሪ'ቲ ትማሊ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብተማሃሮን ወለድን ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ሓያለ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣትው ከምዘለው ካብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ዝርከቡ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

መበገሲ ናይ'ቲ ሰልፊ መንግስቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዲያ ኣልእስላሚያ ናይ ካሪክለም ምልውዋጥ ክገብር ብምፍታኑን፡ እዚ ድማ ንእስላማዊ ትምህርቲ መንገዲ ዝዓጹ'ዩ ተባሂሉ ብምኳኑን እቶም ንምንጭታት ትማሊ ሓቢሮም'ዮ።

አባትርን ብረትን ዝሓዙ ሓይልታት መንግስቲ ብኡ ንብኡ ነቲ ሰልፊ ከምዝበተኑን ተኹሲ'ውን ከምዝተሰምዐን ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ኣስመራ ሓቢሮም። ብዛዕባ ኣብ ተሰለፍቲ ዝወረደ ጉድኣት እንተሎ ዝተፈልጠ ነገር የለን፡ ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝለአኾ መልእኽቲ ግን፡ "ብሓደ ቤት ትምህርቲ ዝተገብረ ብዘይኾነ ጉድኣት ዝተበተነን- ከም ዓቢ ዜና ክግለጽ ዘይክእል ሰልፊ" ክብል መሊሱ'ሎ።

ኣቐድም ኣቢሉ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ቦርድ`ቲ ቤት ትምህርቲ ሓጂ ሙሳ መሓሙድ ኑር ነቲ ውሳነ መንግስቲ ብምቅዋሞም ከምዝተኣስሩ`ውን ተገሊጹ`ዩ።

ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከበባኢታት ኣስመራ ተኹሲ ከምዝነበረ ሪፖርት ከምዝበጽሖ ብምግላጽ ዜጋታት ኣሜሪካ፡ ካብ'ቲ ተቓውሞ ዝመስል ከባቢታት ማእከል ከተማ ክርሕቁ ዝመክር መልእኽቲ ትማሊ ኣመሓላሊፉ'ዪ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ዘሓደሶ ናይ መገሻ መጠንቀቕታ'ውን፡ ትማሊ ኣብ ጽርግያታት ኣስመራ ዓቢይ ተቓውሞ ከምዝነበረ ነቲ ሰልፊ ንምብታን'ውን ተኹሲ ከምዝተሰምዐን ድሕሪ ምግላጽ፡ "ሽሕ'ኳ ኣብ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ክስተት ዘይልሙድ እንተኾነ፡ እንግሊዛዊያን ዜጋትት፡ ካብ ዝኾነ ሰልፍታት ወይ ሰፊሕ ኣኼባታት ክርሕቑ ንመክር"ኢሉ።

ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ዳሕራዋይ ታሪኽ ናይ ኤርትራ፡ ግብረ-ሽበራ ዘይፍለጥ`ኳ እንተኾነ መጥቃዕቲ ኣይፍጸምን`ዩ ኢልካ ምድምዳም ኣይክኣልን ይብል።

ድምጺ ኣሜሪካ ንሰበ-ስልጣን ኤርትራ ብቐጥታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን- ጻዕሪና ቀጻሊ`ዩ።

XS
SM
MD
LG